top of page
alemayo.jpg

Alemayo Tesfamichae

Mezmur

  1. እግዝኣብሄር ሰንደቅ ዕላማይ እዩ

  2. ናይ ተኣምራት ኣምላኽ

  3. መፈንጠራ ተበትከ

  4. ብፍቕርኻ ዝተማረኩ

  5. ብጹዕ ኢኻ

  6. እግዚኣብሄር ካባኻ

  7. ካብ ስኣርቲ ኣጸቢቕና ንበልጽ ኢና

  8. ከመይ ዘይዝምር

  9. መን’ዩ ዝኸሰኒ

  10. ምሳኻ

  11. ዘይትጽገብ

  12. ዝመስሎ መን እዩ

alemayo.jpg

Alemayo Tesfamichae      1

እግዝኣብሄር ሰንደቅ ዕላማይ እዩ

   እግዝኣብሄር ሰንደቅ ዕላማይ እዩ /3/
   ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ኮይኑ ዝርኣየለይ
   እንዳሰዓረት ትስዕር መንግስቲ
   ከምዘላትኒ /2/ ምልክተይ

        1.     እዛ መንግስቲ እዚኣ ሰዓሪት እያ
               ደጌታት ሲኦል ዘይሕይልዋ
               መርሖ ሞትን ህይወትን ዝሓዘት
               ንመንግስቲ ሰይጣን ዘናወጸት
 
     
              2. ጸላኢ ከም ውሕጅ ደሪኹ ምስ መጸ
                  ብትንፋስ እግዝኣብሄር ተሰደ
                  ኣብ ኩሉ ሽግረይ ዝዋጋኣለይ /2/
                  እግዝኣብሄር እዩ ሰንደቅ ዕላማይ /2/      

Get in Touch
alemayo.jpg

Alemayo Tesfamichael        2

ናይ ተኣምራት ኣምላኽ


  1.   ኣይጎደልኩን ካብቲ ሰናይ
      ኢድካ ኣላ ኩሉ ጊዜ ምሳይ
      ዝጎደለኒ እናመላእካ
      ብታኣምር ተምብረኒ’ሎኻ
      ምስክርካ ጌርካኒ ኣለኻ

              ናይ ተኣምራት ኣምላኽ እግዚኣብሄር
              ነዓይ ብተኣምር እተንብር
              ስምካ ይባረኽ /4/
              ስምካ ይመስገን /4/


2.  ብግዜ ውግእ ውሽጠይ ሰላምካ  
     ምግዜ ጥምየት እናጽገብካ
     መዓጾ ኣስራዚ ሰባቢርካ
     ኣንቢርካኒ ተምብረኒ ኣሎኻ
     ንዝመጸእ’ውን ትውክልተይ ኣባኻ

          3.  ንእግዚብሄር ካብ ዝፈልጦ
            ኣይረኸብክሉን ክፉእ ከቶ
            ኣብ ቅዱስ ከረኑ ኣብ ማእከል ህዝቡ
            ንተኣምራት ጌሩ ኣቒሙኒ’ዩ
            ንተኣምራት ጌሩ ኣቒሙኒ’ዩ

Get in Touch

Alemayo Tesfamichael     3

መፈንጠራ ተበትከ

መፈንጠራ ተበትከ /2/

ንሕናውን ኣምለጥና
እግዝኣብሄር ይመስገን ኣዚና ሰሲንና

   ምድሪ ክንገዝኣ ኢና እዚ’ዩ ራኢና እምነትና

1. እግዝኣብሄር ምሳና ተዘይነብርሲ

   ሰባት’ውን ተንሲኦም መጥፍኡና ብነድሪ

   ዕቡይ ማያት ተንሲኡ ምውሓዘ ኣብ ልዕሌና

   ፈጺሙ ካብ ልዕሊ ምድሪ ነይሩ መጥፍኣና

   እቲ ንምንጫቶ ኣስናኖም ዘይወፈየና

   ናይ እስራኤል ቅዱስ ይባረኽ ኣምላኽና


2. እግ/ር ንህዝቡ ተበጅይዎ’ዩ

   ናብ ፍቓድ ጸላእቱ ኣሕሊፉ ኣይህቦን’ዩ

   ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ሓቁፋ እትከናከን

   እ/ግር ንህዝቡ ከምኡ ኣብዚ ዘመን

   ካብ ኢድ ጸላእትና ብየሱስ ድሒንና

   ብጽድቂ ቅድስናን ብኩሉ ዕለትና

   ብዘይ ፍርሃት ንጎይታ ከነምልኾ ኢና

    

3.  እግ/ር ካብ ማሕደሩ ብቅንኣት ተላዒሉ’ዩ

    ንምስቁርቋር ዘበለ መወዳእታ ክገብረሉ

    ብርሃንና ወጺኡ’ዩ ክብሪ እግ/ር ወጺኡልና’ዩ

    ተንሲእና ክንበርህ ሕጅስ ግዜና’ዩ

    ከካብ ዝነበርናዮ እኔና ተኣካኪብና

    ዓጽሚ ምስ ዓጽሚ ለጊቡ ኮይኑ ዓቢ ጭፍራ

    ኢድ ናይ እግዝኣብሄር’ውን ኣብ ማእከልና

    ድንቅን ተኣምራት’ውን ትገብር ኣላ

Get in Touch

Alemayo Tesfamichael     4

ብፍቕርኻ ዝተማረኩ

እቲ ካብ ወይኒ ዝጥዕም ፍርኻ ኣሃ

ኣብ ኣጻጽምተይ ኣትዩ ውሽጢ ሰጢሙ

ኣብ ትሕቲ እግርካ ክቕመጥ ጌሩኒ’ዩ /2

ኣሃሃ የሱሰይ ማሪኹኒ’ዩ /2


                ብፍቕርኻ ዝተማረኩ /ምርኮኛ’ዬ/3

                ኣእዳወይ ምስ ሰናይ ልበይ ናባኻ /ኣልኢለ’ዬ/3

                ብኢደይ ሒስካ ናብትኸዶ ዘበለ /ክትወስደኒ/3

                ምስተን መጓሴኻ ናብቲ’ለምአ ሸካኻ /ከተውዕለኒ/3

                የሱሰይ ድላይ ኣሎኒ


ንስኻስ ናይ ዘልኣለም ሕይወት ቃል ኣሎካ

ካባኻሞ ናበይ ክኸይድ’ዬ

ካብ ኣብ ድኳን ረሲኣን ምቅማጥ’ሲ

ኣቤትካ’ዬ መረጸ ዘላለም ምንባር /2


                ብፍቕርኻ…


ኣብ ክንዲ ሕማቕ ዝገበርዎ ዝመውት የለን

ንዝጸረፍዎ’ውን ዝምርቕ የለን

ገና ሓጥዕ ከለኹ ብምማትካ

ቲ’ኣባይ ዘላትካ ፍቕሪ ገሊጽካ /2


                ብፍቕርኻ…


ናባይ ጽመጸ ዘበለ ኹሉ

ከቶ ንወጻኢ ኣይድርበይን

ኢልካ ንሕይወተይ ብምቛምካ ኣሃሃ

የሱሰይ ክብሪ ንኣኻ /2


                ብፍቕርኻ…

Get in Touch

Alemayo Tesfamichael     5

ብጹዕ ኢኻ

ኣብ ጽምዋ ባድማ በረኻ

ብዙሓት ኣራዊት ዘድሒሉ ቦታ

ከም ዋልታ ብጸጋ’ውን ከቢቡ

ከም መርኣት ኣይኒ ዝከናኸነካ


ኦ ህዝቢ እግዚኣብሄር ብጹዕ ኢኻ

ኣታ ብጐይታ ዝድሓንካ ሕዝቢ መን’ዩ ከማኻ

እግዚኣብሄር ዋልታኻ’ዩ

ጐይታ የሱስ ሰይፊ ሓበንካ’ዩ ባሕ ይበልካ ብዑኡ


ብድንቅን ታምርን ምስ ኣድሓነካ

ኣብ ሰማያት ምስ የሱስ ዘቀመጠካ

ቲ’ዘለዎ ኹሉ ከውርሰካ

ኣይበቀልካን’ዩ ዘፍቀረካ ኣምላኽካ


                ኦ ህዝቢ እግዚኣብሄር…


ባሕሪ ኸሪሉ እናሳገረ

ሰማያት ከፊቱ ማናኡ እናዝነበ

ብብርትዕቲ ቅልጽም ዝጐሲ ኣሎካ

ኦ ህዝቢ እግዚኣብሄር መን ይደፍረካ


                ኦ ህዝቢ እግዚኣብሄር…


መሰልካን ነገርካን ኩሉ ወዲዑ

ኩሉ ምርኮኻ’ውን ኣምሊሱ

ደጌ ጸላዕትኻ ኣውሪሱካ’ዩ

ኪድ በል ቀልጢፍካ ማርኮ ኹሉ


                ኦ ህዝቢ እግዚኣብሄር…

Get in Touch

Alemayo Tesfamichael     6

እግዚኣብሄር ካባኻ

እግዚኣብሄር ካባኻ ኮይኑልና ብኣኻ ኮይኑልና ንኣኻ ምስጋና

ኩሉ ምስጋና ውሰዶ ንስኻ ኩሉ ውዳሴ ውሰዶ በይንኻ

የሱስ ውሰዶ በይንካ


ምድሓና’ተኾነ ካባኻዩ የሱስ ብኣኻ’ዩ ኣሃሃይ

ምዝማርና እውን ብጸጋኻ’ዩ የሱስ ብጸጋኻ’ዩ

ካባናስ ዝኾነ ገለ የብልናን ንሕናስ ገለ የብልናን ኣሃሃ

ኩሉ ኻባኻ’ዩ የሱስ ኮይኑልና እወ የሱስ ኮይኑልና


እግዚኣብሄር ካናኻ…


ብሓይልን ክዕለትን ኣይኮነን ምግልጋልና ኩሉ ምግልጋልና ኣሃሃ

ብመንፈስካ እዩ ኩሉ ጉዕዞና እወ ኩሉ ዕዮና

ኩሉ ኣበይቲ ኣኽራን ጐልጐል እናገበርካ ሜዳ እናገበርካ ኣሃሃ

ኩሉ’ሳዕ ብዓወት ትመርሓና ኣሎኻ ተአውተና ኣሎኻ


እግዚኣብሄር ካናኻ…


ብዘልኣለማዊ ፍቕርኻ ሲሒብካና ናባኻ ሲሒብካና ኣሃሃ

ብምሕረትካ ድማ ከሊልካ ደው ኣቢልካና ኣብ ቤትካ ተኺልካና

ብዘይቲ መንፈስካ ርዕስና እናቐባዕኻ ኣሜን ኣናቐባዕኻ ኣሃሃይ

ኣብ ኣደባባይ ኣክቢልካና ኣሎኻ ሞጊስካና ኣሎኻ


እግዚኣብሄር ካናኻ…


ንኽብርኻስ ማንም ኣይወስዶን’ዩ /2 ኣሃሃ

ካባኻን ብኣኻን ንኣኻን’ዩ እወ ንኣኻ’ዩ

እግዚኣብሄር ንስኻ ኣብ ቕዱስ መቕደስካ ኣሎኻ

ኣብ ሰማያት ኣብዙፋንካ ኣሎኻ ኣሃሃ

ብፍጹም ልብና ንግዝኣካ ፈቲና ነምልኸካ


እግዚኣብሄር ካናኻ…

Get in Touch

Alemayo Tesfamichael     6

እግዚኣብሄር ካባኻ

እግዚኣብሄር ካባኻ ኮይኑልና ብኣኻ ኮይኑልና ንኣኻ ምስጋና

ኩሉ ምስጋና ውሰዶ ንስኻ ኩሉ ውዳሴ ውሰዶ በይንኻ

የሱስ ውሰዶ በይንካ


ምድሓና’ተኾነ ካባኻዩ የሱስ ብኣኻ’ዩ ኣሃሃይ

ምዝማርና እውን ብጸጋኻ’ዩ የሱስ ብጸጋኻ’ዩ

ካባናስ ዝኾነ ገለ የብልናን ንሕናስ ገለ የብልናን ኣሃሃ

ኩሉ ኻባኻ’ዩ የሱስ ኮይኑልና እወ የሱስ ኮይኑልና


እግዚኣብሄር ካናኻ…


ብሓይልን ክዕለትን ኣይኮነን ምግልጋልና ኩሉ ምግልጋልና ኣሃሃ

ብመንፈስካ እዩ ኩሉ ጉዕዞና እወ ኩሉ ዕዮና

ኩሉ ኣበይቲ ኣኽራን ጐልጐል እናገበርካ ሜዳ እናገበርካ ኣሃሃ

ኩሉ’ሳዕ ብዓወት ትመርሓና ኣሎኻ ተአውተና ኣሎኻ


እግዚኣብሄር ካናኻ…


ብዘልኣለማዊ ፍቕርኻ ሲሒብካና ናባኻ ሲሒብካና ኣሃሃ

ብምሕረትካ ድማ ከሊልካ ደው ኣቢልካና ኣብ ቤትካ ተኺልካና

ብዘይቲ መንፈስካ ርዕስና እናቐባዕኻ ኣሜን ኣናቐባዕኻ ኣሃሃይ

ኣብ ኣደባባይ ኣክቢልካና ኣሎኻ ሞጊስካና ኣሎኻ


እግዚኣብሄር ካናኻ…


ንኽብርኻስ ማንም ኣይወስዶን’ዩ /2 ኣሃሃ

ካባኻን ብኣኻን ንኣኻን’ዩ እወ ንኣኻ’ዩ

እግዚኣብሄር ንስኻ ኣብ ቕዱስ መቕደስካ ኣሎኻ

ኣብ ሰማያት ኣብዙፋንካ ኣሎኻ ኣሃሃ

ብፍጹም ልብና ንግዝኣካ ፈቲና ነምልኸካ


እግዚኣብሄር ካናኻ…

Get in Touch

Alemayo Tesfamichael     7

ካብ ስኣርቲ ኣጸቢቕና ንበልጽ ኢና

ንኤልሻዳይ /3 ኣምላኽ ሒዝና

ኣጸቢ ካብ ሰኣርቲ ንበልጽ ኢና ንበልጽ


ብኹሉ ንንጸግ ግና ኣይጸበናን

ንገብሮ ይጠፍኣና ግና ኣይንቐብጽን

ነቲ ድሕሬና ዘሎ እናገደፍና ናብቲ

ኣስቢ ዓወት ንመጣጠር ኣሎና /2


ንኤልሻዳይ…


ከም ንመስዋዕቲ -----

ከም ዘይተፈለጥና ኣጸቢቕና ፍሉጣት

ዓለም ትፍለጥ ----

ኣብ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ምዃና ፍሉጣት


ንኤልሻዳይ…


ብኹሉ ንስጐግ ድርቡያት ኣይኾናን

ኩሉ እንተጠኣና ግና ኣይንጠፍዕን

ኪድ ናይ እግዚኣብሄር ደጊፋትና

ኣብ ቤትኡ ከም ልሙጽ ኣውሊዕ ተተኺልና ኣሎና


ንኤልሻዳይ…


ከም ንጉሕያት ኹሉ ሳዕ ሕጉሳት

ካም ድኻታት ንጸጉዕ ንብዙሓት

ጻድቕ ተሓዲጉ ዘርዑ’ውን ክልምን

ኣይረኣናን ከቶ ኣይተዘንተወን

Get in Touch

Alemayo Tesfamichael     8

ከመይ ዘይዝምር

ደሪኹኒ ንኣይ ፍቕሪ የሱሰይ የዘምረኒ

ይድርኸኒ ኣሎ ምሕረት ለውሓቱ ፍቕሩ

ክዝምረቱ ፍቕሩ /2 ክሳዕስኣሉ ፍቕሩ


                እንተዘመርኩ እንተዘለልኩ እንተኣለልኩ /2

                ናይ ፍቕሩ ምርኮኛ ስለዝኾንኩ

                ናይ ፍቕሩ ምርኮኛ ይብል ኣለኹ /2

                ናይ ፍቕሩ ምርኮኛ ስለዝኾንኩ 


ደሪኹኒ ንኣይ…


                ውዕለት እግዚኣብሄር ንኣይ ብዙሕ’ዩ

                ካብ ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ይበዝሕ’ዩ

                መግለጺ ውዕለቱ እንተኾነኒ

                መዲበ’ለኹ ኣነስ ክቓኒ


ደሪኹኒ ንኣይ…


                ከመይ ዘይዝምር ዘይቓንየሉስ

ከመይ ዘይስዕስዕ ዘይቆጻጸየሉስ

እየሱስ እየሱስ ቲ’ዘደሓነኒ

ኣብ መስቀል ሞይቱ ዝተበጀወኒ /2


ደሪኹኒ ንኣይ…


                ናይ መውስቀል ሞቱ እናዘከርኩ

                ብቕሪ የሱሰይ ይረም ኣለኹ

                እንዳ ተገረምሱን እንዳ ተደነቕኩን

                ናይ ምስጋናይ ሽቶ የዕርገሉ ኣለኹ /2


ደሪኹኒ ንኣይ…

Get in Touch

Alemayo Tesfamichael     9

መን’ዩ ዝኸሰኒ

መን’ዩ ዝኸሰኒ //4

ደም የሱስ’ዩ እቲ ዘጽደቐኒ

ደም የሱስ’ዩ ሓራ ዘውጸኣኒ /2


                ካብ ደም ኣቤል ዝበለጸ /2

ካብ ደም ድቤላ ዝተመርጸ /2

                ብየሱስ ደም’ዬ ዝነጻሕኩ /2

ብኹቡር ደም’ዬ ዝተኣደኩ /2


መን’ዩ ዝኸሰኒ…


                ካብ ኸረን ጽዮን ከተማ ኣምላኽ /2

ካብቶም ፍጹማን ጻድቓናት /2

                ካብ እየሱስ’ዬ ዝመጻዕኩ /2

---- ዝኸበርኩ /2


መን’ዩ ዝኸሰኒ…


                ሓራ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ /2

ክርስቶስ ሓራ ኣውጺኡኒ’ዩ /2

                ድሕሪ ትንሳኤ ዝመላለስ /2

ዘይተቖነንኩ በርዑት ባርነት /2


መን’ዩ ዝኸሰኒ…


                ሕሩያር ኣምላኽ መን ይኸሰና /2

ኢየሱስ’ዩ ዘጽደቐና /2

                ብሉይ ኹሉ ሓሉፉልና /2

ሓደሽቲ ፍጥረት ኮይንና ኢና /2


መን’ዩ ዝኸሰኒ…

Get in Touch

Alemayo Tesfamichael     10

ምሳኻ

ንኣናስ /3 የሱስ ምሳኻ ክንነበር

እቲ ግሩም ዝኾነ ግርማኻ

ኣብ ሰማያት ክንነብር ምሳኻ

ንኣናስ ክንደይ /3 ግሩም’ዩ ሰናይ’ዩ

ክንደይ’ከ ባሕ ዘብል’ዩ


ብዙሕ ኣዕላፍ ጊዜ ኣዕላፍ ኣሻሕ ጊዜ ኣሻሕ መላእኽትኻ

ምስቶም ናይ ሰማያት ኩሎም ሰራዊትካ ቅዱስ /3 እናበልና

በምልኾ ክንነብር ምሳኻ


                ምሳኻ…


መልክእኻ ኣዝዩ ጽቡቕ’ዩ ንኣኻ ምርኣይና ዕጋበት’ዩ

ካብ ብልዕን ካብ መስተን ኣዚኻ ትበልጽ ኢኻ

ካብ ሰማይ ሰማያትዝወረድካ እንጌራ ሕይወት ኢኻ


                ምሳኻ…


ድምጽኻ ኣዝዩ ብርቱዕ’ዩ ዝተረረ ልቢ’ወን ዝሰብር‘ዩ

ንስኻ ተዛሪብካ መን ኢዩ’ኸ ዘይፈርሓካ

ጐይታየይን  ኣምላኽይን እናበለ ኣብ እግርኻ ኩሉ ይሰግድልካ


                ምሳኻ…


ብእዑ ዝሰመርኩ ወደይ ኢሉ እዩ እግዚኣብሄር ዝመስከረሉ

ብዘይ ጐይታ የሱስ ኣብ ትሕቲ ሰማያት የለን

ብፍታው ልብና ናብኡ ንቕረብ ብዘይ የሱስ ካልዕሰላም የለን


                ምሳኻ…

Get in Touch

Alemayo Tesfamichael     11

ዘይትጽገብ

ዘይትጽገብ /2 ዘይትምኖ /2

ተመስጊንካን ተወዲስካን ዘይትምኖ /2

ሓደ ንበይንኻ የሱስ ጥራይ ኢኻ

ካብ ኣዕላፋት ኣሻሓት የሱስ ተረኺብካ X2


                ቅድመይ ዝነበሩ ኣሃ ቅዱስ ኢሎምኻ

ኣነውን ብጊደይ የሱስ ቅዱስ ኢኻ ይብለካ ኣሃ

                ቅዱስ ቅዱስ ኢሉ እሞ መኣስ ጸጊበካ

ቅዱስ ኢካ ኢሉ ኣነስ መኣስ ኣጊበካ /2


ዘይትጽገብ…


                ኣመስጊነ ኣመስጊነ ኣሃ ስለ ዘይጸግበካ

ይውስኸሉ’ለኹ የሱስ ነቲ ምስጋናኻ

                ብማሕሌት እስራኤል እትነብር ጐይታ

ምስጋና ጥራይ እዩ ንኣኻ ነቕርበልካ /2


ዘይትጽገብ…


                ካብደቂ ሰብ ኩሉ ኦሆ ድንቂ ኢኻ ንስኻ

ቕብኢ ዝፈሰሶ’ዩ ከናፍርካ

ምሳኻ ብምዃን ብምርኣይ ትሕላዊኻ

የሱስ ጥራይ ኢኻ ዘይትጽገብ ጐይታ /2


ዘይትጽገብ…


                ብለይትን ብቐትርን ኣሃ ኣብዝኾነ ስኣትን

ብኸበሮን በገናን ኣሃ ብጸናጽልን

                ምስጋናይ ፈቲኻ እንካብ ተቐበልካዮ

ክስውኣልካ’ዬ ኣይምነወንን እዩ /2


ዘይትጽገብ…


                ብፍቕሪ እንተኾነ ኣሃ መፍቀሪ ኢኻ

ኣሃ ብምሕረት እንተኾነ የሱስ ሓለፋ ኣለካ

                ፍቕርኻ ካብ ፍቕር ኣንስቲ ይበልጽ እዩ

ሓንሳዕ ምስሓዘካ ኣይፍንወካን እዩ /2


ዘይትጽገብ…

Get in Touch

Alemayo Tesfamichael     12

ዝመስሎ መን እዩ 

እዚ ኣምላኽ እዚ ኣሃ ኣሃሃ

መንበሪየይ ኮይኑ ኣሃሃ ሃሃ

ዘላለማውያን ቀላጽሙ ደጊፈናኒ ኣለዋ ኣሜን

ጽላኢየይ ካብ ቅድመይ ኣሃሃ ኣሃ

ፈጺሙ ሰጐጐ ኣሃሃ ሃሃ

ከም ዘይነበረ ጌሩ ኣጥፈኦ ኣጽነቶ

               

እቲ ንረዲኤተይ ኣብልዕሊ ደበናታትን ሰማያትን

ዝተቐምጠ ኣምላኽ ዝመስሎ መን እዩ ኣሃሃ ሃሃ

ኣነስ ኾሪኤ ብእዑ ባሕ ይብለኒ ብእዑ ሕጊስ እዬ ሃሌሉያ


እግዚኣብሄር ብቕድማይ ኣሃሃ

ጌረዩ ኣለኹ ኣሃሃ ሃሃ

ንሄወተይ ብሕድኣት የንብራ’ሎ ንሱ

ንብሉዕ ዕድመይ’ውን ኣሃሃ ሃሃ

ከጽልለኒ እዩ ኣሃሃ ሃሃ

ኣብ ጽላል ኣኽናፉ ከንብረኒ ኢዩ


እቲ ንረዲኤተይ…


እግዚኣብሄር ነቲ ነዳይ ኣሃሃ ሃሃ

ካብ ሓበድ የተንስኦ ኣሃሃ ሃሃ

ነቲ ዝሰኣነ ድኻ የበርትኦ

ቀስቲ’ቶም ሓያላት ኣሃሃ ሃሃ

ስብርብር ኣበሎ ኣሃሃ ሃሃ

ሰንከልከል ዝበሉ ሓይሊ ተኣጠቑ


እቲ ንረዲኤተይ…


እግዚኣብሄር ንኣጋር ኣሃሃ ሃሃ

ቅዱሳኑ ክሕልወን ኣሃሃ ሃሃ

ሰንከልከል ንኽብላ ፍቓዱ ኣይኮነን

መልኣኽቲ እግዚኣብሄር ኣሃሃ ሃሃ

ኣብ ዙሪያ ጻድቓን እዩም ኣሃሃ ሃሃ

ካብ ኹሉ መከራ ድማ የናግፎም


ስእቲ ንረዲኤተይ…

Get in Touch
  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page