top of page
okba sl.jpg

Ogbaselassie Haile

Mezmur

  1. እንተዝጸሓፍ

  2. ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምልስ

  3. ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ 

Ogbaselassie Haile     1

እንተዝጸሓፍ

                   እንተዝጸሓፍ ግብሩ ፍቕሩ

                  ሕያዋይን ለዋህን ምኻኑ

                  መዛግብቲ ናይዛ ዓለም ኣይምኣኸሎን

                  ፍጹም ኣይምኣኸሎን

1.         ሓጥያት ናይ ብዙሓት ዉሉድ ደምሲሱ

            ጉልበት ብዙሓት ድኹማት ሓዲሱ

            ክንደይ ሕቶታት ጸሎትውን መሊሱ

            ሃብታም ኣምላኽ ዩ ንልቦም ዘፍስሱ

                      ተደ. እንተዝጸሓፍ ግብሩ ፍቕሩ....

2.         እንተንጽሕፎ ሓደ ክልተ ኢልና

            እቲ ኣምላኽ ክብሪ ዝገበረልና

            ፈውሱን ምሕረቱን ዉህበቱን ዘኪርና

            ምነቕሐ ኔሩ ዝንጉዕ ልብና

                        ተደ. እንተዝጸሓፍ ግብሩ ፍቕሩ....

3.         ንሕና ክንደክም ከበርትዓና

            ተስፋ ክንቆርጽ ኣጆኹም ዝብለና

            ከይተሓለሎ ንዝጾረና

            ተመስገን ንብሎ ኣፍና መሊእና

                        ተደ. እንተዝጸሓፍ ግብሩ ፍቕሩ...

4.         ካብ እንርእዮ ብዙሕ ፈተና

            ካብ ዘይንርእዮ ውን እተኸወለና

            ክንደይ ግዜ ሞ ዘየድሓነና

            ተመስገን ንብሎ ኣፍና መሊእና

                        ተደ. እንተዝጸሓፍ ግብሩ ፍቕሩ....

5.         ጸላኢ ነፍስና ንኸጥፍኣና

            እግዚኣብሄር ከኣ ንኸድሕነና

            ኣብ ዝተገብረ ወሳኒ ኩናት

            ኣምላኽ ስዒሩ ኣለና ብሂወት

                          ተደ. እንተዝጸሓፍ ግብሩ ፍቕሩ....

Ogbaselassie Haile     2

ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምልስ

፩) ቁዝማ ፡ ህዝቡ ፡ ዝሰምዕ
   ዝኣተዎ ፡ ኪዳን ፡ ዘይርስዕ
   እግዚኣብሔር ፡ ዘኪሩና
   ይእከል ፡ ኢልዎ ፡ ባርነትና

ተደጋሚ፦ እግዚኣብሔር ፡ ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምል
ንብዓት ፡ ኣዒንቲ ፡ ዝደርዝ
ንሕዙን ፡ ልቢ ፡ ዘሐጉስ
ምዃኑ ፡ ነፍሰይ ፡ ጥዒማቶ
ኣፋ ፡ ከፊታ ፡ ኣመስጊናቶ

፪) ብለሰ ፡ ብኽያት ፡ ክሓልፍ
   ደኺመ ድሕሪት ፡ ከይተርፍ
   ንብዓት ፡ ካብ ፡ ኣዒንተይ ፡ ደሪዝዎ
   ንድኹም ፡ ሓይለይ ፡ ሓዲስዎ
 
ተደጋሚ፦ እግዚኣብሔር ፡ ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምል
ንብዓት ፡ ኣዒንቲ ፡ ዝደርዝ
ንሕዙን ፡ ልቢ ፡ ዘሐጉስ
ምዃኑ ፡ ነፍሰይ ጥዒማቶ
ኣፋ ፡ ከፊታ ፡ ኣመስጊናቶ


፫) ሓዊ ፡ ኣውሪዱ ፡ ዝምልስ
   ሕማም ፡ ናይ ፡ ልቢ ፡ ዝፍውስ
   ብዚሑ ፡ ጸጋ ፡ ዘፍስስ
   ኣይተለወጠን ፡ ኣምላኽ ፡ ኢልያስ

ተደጋሚ፦ እግዚኣብሔር ፡ ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምል
ንብዓት ፡ ኣዒንቲ ፡ ዝደርዝ
ንሕዙን ፡ ልቢ ፡ ዘሐጉስ
ምዃኑ ፡ ነፍሰይ ፡ጥዒማቶ
ኣፋ ፡ ከፊታ ፡ ኣመስጊናቶ

፬) ኣብ ፡ ደረቕ ፡ ምድሪ ፡ ጠለለት
   ጽጋብ ፡ ዝኸውን ፡ ብጥሜት
   መዝገብ ፡ ናይ ፡ ሰማይ ፡ ከፊቱ
   ኣፍሲሱለይ‘ቲ ፡ ጽቡቕ ፡ ውህበቱ

ተደጋሚ፦ እግዚኣብሔር ፡ ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምል
ንብዓት ፡ ኣዒንቲ ፡ ዝደርዝ
ንሕዙን ፡ ልቢ ፡ ዘሐጉስ
ምዃኑ ፡ ነፍሰይ ፡ ጥዒማቶ
ኣፋ ፡ ከፊታ ፡ ኣመስጊናቶ

፭) ጸላእቲ ፡ ጽድቂ ፡ ተላዕሉኒ
   ካብ ኣምላኽ ፡ ፈልዮም ፡ ከጥፍኡኒ
   እግዚኣብሔር ፡ ረዲኡኒ
   ምህለላይ ፡ ሰሚዑ ፡ ኣድሒኑኒ

ተደጋሚ፦ እግዚኣብሔር ፡ ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምል
ንብዓት ፡ ኣዒንቲ ፡ ዝደርዝ
ንሕዙን ፡ ልቢ ፡ ዘሐጉስ
ምዃኑ ፡ ነፍሰይ ፡ ጥዒማቶ
ኣፋ ፡ ከፊታ ፡ ኣመስጊናቶ

፮) ጸግዕን ፡ ዋልታን ፡ ኮይኑኒ
   በቲንዎም ፡ ንዝኸበቡኒ
   ኣብ ፡ ውግኤይ ፡ ተሰሊፉለይ
   ይኽበር ፡ ይመስገን ፡ መድሕነይ 

ተደጋሚ፦ እግዚኣብሔር ፡ ጸሎት ፡ ሰሚዑ ፡ ዝምል
ንብዓት ፡ ኣዒንቲ ፡ ዝደርዝ
ንሕዙን ፡ ልቢ ፡ ዘሐጉስ
ምዃኑ ፡ ነፍሰይ ፡ ጥዒማቶ
ኣፋ ፡ ከፊታ ፡ ኣመስጊናቶ

Ogbaselassie Haile     3

ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ (Idka Tehelefo Hewetey)

ተደጋሚ፦ ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ
ከምብሓድሽ ፡ ይስራሕ ፡ ውሽጠይ
ዓለም ፡ ትፍለጥ ፡ ናትካ ፡ ምዃነይ
ኣብርሃኒ ፡ ይድመቅ ፡ ብርሃነይ

፩) ሕሱር ፡ ዝኾነ ፡ ዛንታይ ፡ ተቐይሩ
ዓለም ፡ ክትብል ፡ ቀደም ፡ ናተይ ፡ ኔሩ
ሕጂ ፡ ግን ፡ ካብ ፡ መፈንጠራይ ፡ ኣምሊጡ
ናይ ፡ የሱስ ፡ ኮይኑ ፡ ፍጹም ፡ ተለዊጡ

ተደጋሚ፦ ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ
ከምብሓድሽ ፡ ይስራሕ ፡ ውሽጠይ
ዓለም ፡ ትፍለጥ ፡ ናትካ ፡ ምዃነይ
ኣብርሃኒ ፡ ይድመቅ ፡ ብርሃነይ

፪) ከም ፡ ያዕቆብ ፡ ብኢድካ ፡ ተሰቢረ
ብዛዕባ ፡ ሕወተይ ፡ ሓቂ ፡ መስኪረ
ናይ ፡ ውርደት ፡ ስመይ ፡ ካባይ ፡ ተቐንጥጡ
ክርእዩ ፡ ፡ ውሽጠይ ፡ ፍፁም ፡ ተለዊጡ

ተደጋሚ፦ ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ
ከምብሓድሽ ፡ ይስራሕ ፡ ውሽጠይ
ዓለም ፡ ትፍለጥ ፡ ናትካ ፡ ምዃነይ
ኣብርሃኒ ፡ ይድመቅ ፡ ብርሃነይ

፫) ናተይ ፡ ዝኾነ ፡ ንድሕሪት ፡ ፡ ደርብየ
ዘላኣለማዊ ፡ ክብሪ ፡ ሰማይ ፡ ሓርየ
ከገልግለካ ፡ የሱስ ፡ ብፍታወይ 
ሕያወይቲ ፡ ኢድካ ፡ ትሕለፍ ፡ ብሂወተይ

ተደጋሚ፦ ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ
ከምብሓድሽ ፡ ይስራሕ ፡ ውሽጠይ
ዓለም ፡ ትፍለጥ ፡ ናትካ ፡ ምዃነይ
ኣብርሃኒ ፡ ይድመቅ ፡ ብርሃነይ

፬) ብፍረ ፡ መንፈስ ፡ ቅዱስ ፡ ተሰሊመ
ቆጽላ ፡ ከምዘይረግፍ ፡ ሩባ ፡ ለምሊመ
ዝገብሮ ፡ ኹሉ ፡ መታን ፡ ክሰልጠኒ
ንቑሕ ፡ ክኸውን ፡ ኢድካ ፡ ትሕለፈኒ

ተደጋሚ፦ ኢድካ ፡ ትሕለፎ ፡ ሕወተይ
ከምብሓድሽ ፡ ይስራሕ ፡ ውሽጠይ
ዓለም ፡ ትፍለጥ ፡ ናትካ ፡ ምዃነይ
ኣብርሃኒ ፡ ይድመቅ ፡ ብርሃነይ

  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page