top of page
White Flowers

Seble fshatsion

Mezmur

  1. ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካ

White Flowers

Seble fshatsion      1

ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካ

ስለቲ ጽቡቅ ግብርታትካ

ኣይጉደልካ ምስጋናይ ኣይጉደልካ

ስለቲ ሰናይ ተግባራትካ

ኣይጉደልካ ኣምልኮይ ኣይጉደልካ


     ዙፋንካ ይብጻሓለይ ምስጋናይ

     ዙፋንካ ይብጻሓለይ

     ዙፍንካ ይምልኣለይ ኣምልኮይ

     ዙፋንካ ይምልኣለይ


ስቅ ኣይብልን ከመስግንየ

ስቅ ኣይብልን ክባርክየ

ሰናይካ ኩሉ ዘኪረ


ወሸለ ኣብ ቅድሜካ ብቁዕ ትኮይኑለይ

ወሸለ ኣብ ቅድሜካ እንተተፈትዩለይ

Seble fshatsion      2

እንታይ ሞ ክብል


እንታይ ሞ ክብል ‘የ

እንታይ እየ ከ ዘቅርቦ

ውዕለትካ ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ ኮይኑ


ካብ ሓመድ ኣልዒልካ

ሰብ እንዲኻ ትገብር

ንዝተረሰዐስ ልብኻ ይዝክር


    ስምካ ይኽበር እግዝኣብሄር

    ስምካ ይክበር ንዘልኣለም

    ስምካ ይክበር

    ባህ ኢሉካ ክቡር መስዋእተይ እንካ ተቀበል


ባህ ኢሉካ ክቡር መስዋእተይ

እንካ ተቀበል

ስምካ ይኽበር እግዝኣብሄር /4/


ከናፍረይ ንስምካ ከውርዩ ንስራሕካ

ዝገበርካለይ በዚሑስ ምስጋና ይህበካ


     ስምካ ይኽበር እግዝኣብሄር

     ስምካ ይክበር ንዘልኣለም

     ስምካ ይክበር


ሰላመይ ከም ወሓዚ ረሓቦት ጌርካዮ ዙርያይ

ጸጋካ ዘልኣለም ከስፋሕፍሕ ኣብ ዘርአይ

  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page