
ኣብ ፡ ቤትካ ፡ እዩ ፡ ክነብር ፡ መሪጸ (Ab Bieteka Eyu Keneber Meritse)
፩) ቤትካ ፡ ክቡር ፡ እዩ ፡ ቤት ፡ ሓጐስ ፡ ብጽእና
ነፍሰይ ፡ ትናፍቖን ፡ ሃረር ፡ ትብሎን ፡ እያ
ናብ ፡ ቤት ፡ እግዚኣብሔር ፡ ንኺድ ፡ ምስ ፡ በሉኒ
ተፈሲሁ ፡ ልበይ ፡ ሓጐስ ፡ መሊኡኒ
እንተ ፡ ተነቒፈ ፡ እንተ ፡ ተጸሪፈ
ኢየሱሰይ ፡ ኣብ ፡ ቤትካ ፡ እነብር ፡ ዓሪፈ (፪)
፪) ምስ ፡ ጸረይ ፡ መጺኤ ፡ ነፍሰይ ፡ ተዕርፈሉ
ሓዘን ፡ ምስ ፡ ከበደ ፡ ዝጸናንዓሉ
ብመስትያት ፡ ቃልትካ ፡ ርእሰይ ፡ ዝረየሉ
ቤትካ ፡ 'ዩ ፡ ኣምላኸይ ፡ ልቢ ፡ ዘጥረኽሉ
እንተ ፡ ተጐኒጸ ፡ እንተ ፡ ተረጊጸ
ዘልዓለም ፡ ኣብ ፡ ቤትካ ፡ ክነብር ፡ መሪጸ (፪)
፫) ካብ ፡ ድንኳን ፡ ረሲኣን ፡ ኩሉ ፡ መሊኡልካ
ካብ ፡ ሽሕሲ ፡ ሓንቲ ፡ መዓልቲ 'ብ ፡ ኣጸጽካ
ኣብ ፡ ዓለም ፡ ካብ ፡ ምንባር ፡ ብሓጢኣት ፡ በልጺገ
መርጫይ ፡ ኣብ ፡ ቤትካ ፡ ክኾ'ን ፡ ሓልው ፡ ደገ
እንተ ፡ ዘይመልኣለይ ፡ኩሉ ፡ ከም ፡ ዝደልዩ
መንግሥተ ፡ ሰማይ'ዩ ፡ እቲ ፡ ዝምነይ (፪)
፬) ኣብ ፡ ቃራና ፡ መገዲ ፡ ደው ፡ ኢለ ፡ ከዕነኒ
ምውሳን ፡ ሲኢነ ፡ ዝሓይሽ ፡ ጠፊኡኒ
ንልበይ ፡ ኣትሒተ ፡ ናብ ፡ ቤትካ ፡ መጺኤ
ምኽርኻ ፡ እፈልጥ ፡ ንስምካ ፡ ጸዊዔ
ሳላ ፡ ቅዱስ ፡ቃልካ ፡ ረኺበ ፡ ልቦና
ኣእጋረይ ፡ ጸኒዐን ፡ ኣብ ፡ ቅኑዕ ፡ ጐዳና (፪)
፭) ንድምቕቲ ፡ ሓሶት ፡ ንሓቂ ፡ ዘምስሉ
ዓመጽቲ ፡ ሰብ ፡ ነገር ፡ ናባይ ፡ ማስ ፡ ተላዕሉ
ምግላጹ ፡ ሲኢነ ፡ ንቕንዕና ፡ ልበይ
ኣብ ፡ ቤትካ ፡ መጺኤ ፡ የፍስሶ ፡ ንብዓተይ
ቑንቑይ ፡ ተረዲእካ ፡ ፍትሒ ፡ ተውጻአለይ
ገኒሕካ ፡ ተድርሶ ፡ ንብዓል ፡ ነገርይ (፪)