top of page

መዲበየ ፡ ክስዕበካ (Medibeye Kesebeka)
፩) ክቡር ፡ ጊዜ ፡ ንእስነተይ
ሃልሃል ፡ ዚብል ፡ ውኡይ ፡ ሓይለይ
ብዘይተረፍም ፡ ምሉእ ፡ ፍቕረይ
እህበካ ፡ ዎ ፡ ኣምላኽይ
ተደጋሚ፦ መዲበየ ፡ ክስዕበካ
ፈትየ ፡ ሎኩ ፡ ክዀን ፡ ናትካ
ሎሚ ፡ ጽባሕ ፡ ኲሉ ፡ ጊዜ
ኣይምለስን ፡ ፍጹም ፡ ኢለ
፪) ንኣኻ ፡ ፍረ ፡ ኣእምሮይ
ንኣኻ ፡ ዙፋን ፡ ናይ ፡ ልበይ
ንኣኻ ፡ ዅሉ ፡ ፍቓደይ
ንኣኻ ፡ ጥራይ ፡ ኣምላኸይ
ተደጋሚ፦ መዲበየ ፡ ክስዕበካ
ፈትየ ፡ ሎኩ ፡ ክዀን ፡ ናትካ
ሎሚ ፡ ጽባሕ ፡ ኲሉ ፡ ጊዜ
ኣይምለስን ፡ ፍጹም ፡ ኢለ
፫) ኣይፈልጥን ፡ ናይ ፡ መጻኢ
ሓጐስ ፡ ይኹን ፡ ወይስ ፡ ጓሂ
እስዕበካ ፡ ዅሉ ፡ ጊዜ
ናብ ፡ ትብለኒ ፡ ተኣሚነ
ተደጋሚ፦ መዲበየ ፡ ክስዕበካ
ፈትየ ፡ ሎኩ ፡ ክዀን ፡ ናትካ
ሎሚ ፡ ጽባሕ ፡ ኲሉ ፡ ጊዜ
ኣይምለስን ፡ ፍጹም ፡ ኢለ
፬) ኣይክ ፡ እሎንየ ፡ ኣነ ፡ በይነይ
ንኡስ ፡ እየ ፡ ድኹም ፡ ሓይለይ
ምርሓኒ ፡ ሒዝካ ፡ ብኢደይ
ክሳዕ ፡ ዝውድእ ፡መገደይ
ተደጋሚ፦ መዲበየ ፡ ክስዕበካ
ፈትየ ፡ ሎኩ ፡ ክዀን ፡ ናትካ
ሎሚ ፡ ጽባሕ ፡ ኲሉ ፡ ጊዜ
ኣይምለስን ፡ ፍጹም ፡ ኢለ
፭) ኡቕባኻ ፡ እየ ፡ መድሓኒ
ብዘይካ ፡ ኻስ ፡ መን ፡ ኣሎኒ
ካብ ፡ ጸላኢ ፡ ሓልወኒ
ናባኻውን ፡ ኣብጽሓኒ
ተደጋሚ፦ መዲበየ ፡ ክስዕበካ
ፈትየ ፡ ሎኩ ፡ ክዀን ፡ ናትካ
ሎሚ ፡ ጽባሕ ፡ ኲሉ ፡ ጊዜ
ኣይምለስን ፡ ፍጹም ፡ ኢለ
bottom of page