top of page
yonas haile.jpg

Yonas Haile

mezmur

  1. እግዝኣብሄር ጓሳየይ እዩ 

  2. የብልካን ተወዳዳሪ

  3. ሓድሽ  ሰብ

  4. ንዘልአለም ኣብ ቤትካ ወሲነ

  5. ተስፋ ኣለኒ

Misty Woodland

Yonas Haile            1

እግዝኣብሄር ጓሳየይ እዩ 


እግዝኣብሄር ጓሳየይ እዩ ዝጎድለኒ የብለይን

ኣብ ዝኸድኩ ከይደ ምሳይ እዩ ዘልኣለም.


   ብሩባሩባ ድነ ሞት ከይደ

   ኣብ ኩሉ መገደይ ሓሊኻኒ

   ካብ ብመዓልቲ ዝውርወር ፍላጻ

   ተጠንቂቅካለይ ኣናጊፍካኒ


ከምዝናትካ ጌሩ ዝሓሊ

ኣይርኤኩን ኣነስ ኣይርኤኩን

መዕቆቢ ኮንካኒ ኣብቲ ምድረበዳ

ከማኻ ጌሩ ሞ መንዩ ንህይወተይ ዝሓልየላ


    ንስምካ ክባርኮ እየ ስምካ ኩሉ ጊዜ

    የሱሰይ እንተዘመርኩልካ እዩ ዝዓግብ ውሽጠይ

    የሱሰይ እንተዘመርኩልካ እዩ ዝሕጎስ ውሽጠይ

Get in Touch
Misty Woodland

Yonas Haile            2

የብልካን ተወዳዳሪ


      

        1.ኣብ ማእከል ህያዋን/ቅዱሳን /2/
           እግዝኣብሄር ከማኻ የለን /2/
           የብልካን ተወዳዳሪ /2/

ነገስታት ትሸይም ነገስታት ተውርድ
መን ነዚ ጌርካ ኢሉ ዝኸሰካ የለን
ማሕደርካ ግሩም ምስጢር
ብስጋን ደምን ዘይምርመር
ብዙሓት መንዩ ንሱ ኢሎም
ከይረኸቡኻ ሞት ኣርኪባቶም
ኣሰር ኣሰርካ ኣእምሮ ኣይበጽሖን
ንዘልኣለም ምስጢር
ጥበብ ጠቢባን ምስትውዓል ፈላጣት
ኢድካ እያ ትመዝኖ
ዘመናት ወርሓት ክቀያየሩ
ኣብ ዙፋንካ ኣሎኻ     

      እየሱስ  /8/

ኣብ ማእከል ህያዋን/ቅዱሳን /2/
እየሱስ ከማኻ የለን /2/

ኣጋነንቲ ይንቅጥቀጡልካ የለን ከማኻ

ሰይጣን ባዕሉ ይንቅጥቀጥልካ የለን ከማኻ

ፍጥረት ኩሉ ይንቅጥቀጥልካ የለን ከማኻ

Get in Touch

Yonas Haile            3

ሓድሽ  ሰብ


       ሓድሽ ሰብ ገይሩኒ  

       የሱሰይ ታሪኸይ ለዊጥዎ |2|

       ክዝምረሉ /4/ ንመላእ ዘበነይ

       ተሰማሚዑኒ'ሎ ሰረገላ ናቱ /3/

       ተሰማሚዑኒ'ሎ ሰረገላ የሱስ /3/      


1. ክምካሕ 'ተዀይነ ብኣኻ’የ ዝምካሕ

   ናይ ርእሰይ ዝዀነ የብለይን ኣነ /4/

   ኣነ ትሕት ኢለ ክርኢ ከለኹ

   ውሽጠይ ኵሉ 'ጸግብ

   ስምካ ምስ ከበረ ሰላመይ ይውሕዝ

   ካብ ልበይ ምስጋና መሊኡ ይፈስስ         

               

ኵሉ ምስ ገበርኩ ንስምካ ምስ ኣኽበርኩ

እቲ ጽቡቕ ውህበት ካባኻ ምዃኑ ከስተውዕሎ ኣነ

ካብ ርእሰይ ዝዀነ ክድርብዮ ኵሉ

ጸጋ ካባኻ ሓይሊ ካባኻ

ክእለት ካባኻ ምንጩ ንስኻ የሱስ

ኣይኰነን ካብ ርእሰይ፡

ናተይ ዝብሎ የብለይን /4/


     ንስኻ ጥራይ ክበር ኣብ ህይወተይ /3/

     የሱሰይ ጥራይ ንገስ ኣብ ህይወተይ /3/


ደጊም ንርእሰይ ኣይነብርን ክብረት ይትረፈኒ ሓላፊት'ያ ዓለም

ደጊም ንርእሰይ ኣይነብርን ክብረት ይትረፈኒ ሓላፊት'ያ ዓለም

የሱስይ ጥራይ ክበር ኣብ ህይወተይ፡

ምለኽ ኣብ ህይወተይ ግዛእ ኣብ ህይወተይ

የሱስይ ጥራይ ንገስ ኣብ ህይወተይ

ክበር ኣብ ህይወተይ ወንን ኣብ ህይወተይ

ሸይመካ'ለኹ ንስኻ ክትገዝኣኒ ግዝኣኒ

ሸይመካ'ለኹ ንስኻ ክትመልከኒ ምለኸኒ

ሸይመካ'ለኹ ንስኻ ክትከብረለይ ክበረለይ

ሸይመካ'ለኹ ንስኻ ክትነግሰለይ ንገሰለይ

                      ዎ.. ሸይመካ ዎ ኣብ ናብራይ

                      ዎ.. ሸይመካ ዎ ኣብ ህይወተይ

Get in Touch

Yonas Haile            4

ንዘልአለም ኣብ ቤትካ ወሲነ


 1. ዝሓይሽ ኣለዎ አብ ቤትካ ምንባረይ

    አብ ምድሪ ዘይኮነ ክውሰን ዕድለይ

    ግዜ ከይውስኖ አብታ ሓዳስ ቤትካ

    ይናፍቕ አለኹ ክርኢ ንገጽካ /2/ ክዓርፍ አብ ሕቅፎኻ


         ዘልአለም ኣብ ቤትካ ወሲነ/መሪጸ

         ምሳኻ ምንባር የሱሰይ

         ምሳኻ ምንባር /2/


2. ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን አሳጊርካኒ የሱስ አኽቢርካኒ

    መንግስትን ካህናትን ንዓኻ ክኸውን ነዚ መዲብካኒ

    እዚ ክቡር ዕጫ ካባኻ ኮይንለይ

    ይሕጎስ አለኹ ንዓኻ ምርካበይ/2/

    ኣብ ቤትካ ምንባረይ


 3. ዘይጠፍእ ዘይበርስ አብ ነባሪ ርስቲ ተሰሪታ ነፍሰይ

    ብሓጎስ ይወጽእ ብሰላም ይስነይ ኩሉ መሊኡለይ

    ካብዚ ሓሊፈ'ውን ናብ ናይ ክብሪ ቦታ

    ክሰጋገር'የ ናብቲ ዕረፍትኻ /2/ የሱሰይ ምሳኻ

       

4. ዓለም ምስ ፍትወታ ደጊም አይምነያን ክሪኣ ኣይደልን

   ካብኣ ብምውጽእይ ይሕጎስ ደኣ' እምበር ሓዚነ አይፈልጥን

   እንታይ ከይተርፈኒ ንዓኻ ገዲፈ

   እቲ ዝበለጸ ኻባኻ ረኺበ /2/ ብአኻ ዓጊበ


                 ዘልአለም አብ ቤትካ ወሲነ

                 ንዓኻ ምምላኽ የሱስይ

                 ንዓኻ ምምላኽ /2/

Get in Touch

Yonas Haile             5

ተስፋ ኣለኒ


        ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ኣይኮንኩን

        ኣብዛ ምድሪ ዕድለይ ዝውሰን

        ተስፋ ኣሎኒ የሱስ ዝሃበኒ

        ናብ ዕረፍቱ ከምዘሳግረኒ


1 . ተስፋ ኣለኒ ዘደንግጽ ኣይኮንኩን

   ተስፋ ኣለኒ ኣብዚ ኣይተርፍን

   ተስፋ ኣለኒ የሱስ ዝሃበኒ

   ተስፋ ኣለኒ ዘክታም ዘይገብረኒ /2/


2. ተስፋ ኣለኒ ንምንታይ ዝጭነቕ

   ተስፋ ኣለኒ ንምንታይ ዝሓስብ

   ተስፋ ኣለኒ ልበይ ዘዕርፈኒ

   ተስፋ ኣለኒ ቤቱ ዘንብረኒ

   ተስፋ ኣለኒ ቤቱ ዘእትወኒ


3 . ተስፋ ኣለኒ በቲ ዝውከሎ

    ተስፋ ኣለኒ ድሌተይ ክረኽቦ

    ተስፋ ኣለኒ ሎሚ ይኹን ጽባሕ

    ተስፋ ኣለኒ የሩሳሌም ክበጽሕ

    ተስፋ ኣለኒ ሃገረይ ክበጽሕ


4 .  ተስፋ ኣለኒ ስጋይ ተማህመነ

     ተስፋ ኣለኒ ጻዕረይ ከንቱ ኣይኮነን

     ተስፋ ኣለኒ ካብታ ሓላል ገንሸል

     ናይ ክብሪ ቅብኢ ካብ ኢዱ ክቕበል/2/


5 .  ኩነታተይ ዋላ እንተጸልመተ

     ከባብየይ ኣዝዩ እንተጸበበ

     ክሓልፎ'የ በቲ ዘክእለኒ

     ይኣምን'የ ከምዘይርስዓኒ

     ይኣምንየ ከምዘየትርፈኒ

Get in Touch
  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page