top of page

Semere Haile
Mezmur
ኣዛዚ ፍጥረታት

Semere Haile 1
ኣዛዚ ፍጥረታት
ቲ’ኩሉ ዝኽእል ኣብ ጎነይ ምስ ኮነ
እንታይ ጎዲልኒ እንታይ’ከ ሰኢነ
ከም ክቡር ጥሪቱ እንዳተኸናኸነ
ብብዝሒ ምህረቱ/ጸግኡ ኣለኹ ደዊለ
ኣዛዚ ፍጥረታት ጃልባይ ተወጢሕካ
እንታይ ጎዲልኒ ልበይ ምስ ሃብኩኻ
መርበበይ መሊኡ ብብዝሒ ጸጋኻ
ኩሉ መሊኡለይ ብነብሲ ብስጋ
ካብቲ ዝልምኖ ዝሓስቦ ዓዕዚዙ
ቤተይ ከሊሉዋ ሰማያዊ ክብሩ
ቤተይ ሰሊሙዋ ሰማያዊ ክብሩ
ናይ ሓጎስ ጽጋብ’ዩ ምቕራብ ኣብ ቅድሜኻ
ምጽንናዕ ኣሎ የማነይቲ ኢድካ
ካብ ኣእላፋት ብሩር ካብ ሃብቲ ካብ ወርቂ
ሕጊ ናይ ኣፍካ’ዩ ናይ ሂወት ዕረፍቲ
መዓልታት ኣብ ቅድመይ በረኸት ኣብ ቅድመይ
እንዳረኣኹኻ ተለምልም ሂወትይ
መሊሰ ጠብቀካ ይህበካ ልበይ
ንስኻ ግዝኣዮ ንብረተይ ምስ ቤተይ
bottom of page