top of page

አብ ፡ ዘበን ፡ ግሸነተይ (Ab Zeben Geshnetey)

አብ ፡ ዘበን ፡ ግሸነተይ ፡ አብዛ ፡ ምድሪ ፡ ምንባረይ
ከይርስዕ ፡ ርድአኒ ፡ ሰማያዊት ፡ ሃገረይ
ሓሳባተይ ፡ አብዚ ፡ ከይወድቅ ፡ ክኸውን ፡ ናይ ፡ ላዕሊ
አተሳአኒ ፡ ጐይታይ ፡ በዳኻ ፡ አንቅሓኒ

ክጐይ ፡ ንኽብርኻ ፡ ከምቲዝግባአኒ
ንዓኻ ፡ ዘኽብር ፡ሕይወት ፡ ሒዘ ፡ ክጽበየካ
ኣነ ፡ ክርእየካ ፡ ምስ ፡ ተመለስካ
ከይሓፍር ፡ ከይሸፋፈን ፡ ደው ፡ ምባል ፡ አብ ፡ ቅድሜኻ
በዚ ፡ ዝሓልፍ ፡ ሥጋይ ፡ ንኸንቱ ፡ ከይነብር
ንመዓልታዊ ፡ ናብራይ ፡ ብፍርሃት ፡ ክነብር
ንዓኻ ፡ ክኽብር

አንድዶ ፡ ንውሸጠይ ፡ አብራብረኒ
አብ ፡ ልቦናይ ፡ ሕተሞ ፡ ምስትውዓልካ ፡ ሃበኒ
ጽሩይ ፡ ልቢ ፡ ፍጠረለይ ፡ ሰሚዑ ፡ ዝእዘዝ
ሰሚዔ ፡ ክገብር ፡ እምበር ፡ ንፍረዲ ፡ ከይኮነኒ
ዝጐበጠ ፡ ሕይወታተይ ፡ ኣቅንዓዮ ፡ በዳኻ
ዘይቲ ፡ ከምዘይብሉ ፡ ባዶ ፡ ከይጸንሓካ ፡ ርድኣኒ ፡ ዎ ፡ ጐይታ

ኦሆሆ ፡ ጐይታ ፡ ርድአኒ
ኦሆሆ ፡ ጐይታ ፡ ሓግዘኒ
ኦሆሆ ፡ ብፀጋኻ ፡ ርኣኒ
ኦሆሆ ፡ ብመንፈሰካ ፡ ሓግዘኒ

ዘመነይ ፡ ንዓኻ ፡ ጥራይ
ምንባረይ ፡ ንዓኻ ፡ ጥራይ

Get in Touch
  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page