top of page

ኣይሓደግካናን ፡ ሃሌሉያ (Ayhadegkanan Halieluya)

ተደጋሚ፦ ኣይሓደግካናን ፡ ሃሌሉያ
ኣይሓደግካናን ፡ ኣሜን
አሕሊፍካ'ውን ፡ ንጻላኢ ፡ ኣይሃብካናን

፩) እቲ ፡ ሕሱም ፡ ሰይጣን ፡ ተጻራርየይ
ከቶ ፡ ኣይዓርፍን ፡ ካብ ፡ ምፍታነይ
እሙን ፡ ጉይታይ ፡ ግን ፡ ኣይገደፍካንን
ብእይ ፡ ክትከብር ፡ ኣይነዓቕካንን

ተደጋሚ፦ ኣይሓደግካናን ፡ ሃሌሉያ
ኣይሓደግካናን ፡ ኣሜን
አሕሊፍካ'ውን ፡ ንጻላኢ ፡ ኣይሃብካናን

፪) ሰይጣን ፡ ክጓዝም ፡ ብርከይ ፡ ርዓደ
ርእሰይ ፡ ኣድኒነ ፡ ተስፋ ፡ ቆሪጸ
ንስኻ ፡ ግን ፡ ጐይታይ ፡ ምሳይ ፡ ነበርካ
ንሰይጣን ፡ ክግእዛ፡ኣይሓደግካንን

ተደጋሚ፦ ኣይሓደግካናን ፡ ሃሌሉያ
ኣይሓደግካናን ፡ ኣሜን
አሕሊፍካ'ውን ፡ ንጻላኢ ፡ ኣይሃብካናን

፫) ወትሩ ፡ ብዘይ ፡ ፍርሃት ፡ እልል ፡ ክብል'የ 
ኣብ ፡ ኩሉ ፡ ናብራይ ፡ ከመስግነካ'የ
እጽበ ፡ ክቡር ፡ ጐይታይ ፡ ኩሉ ፡ ትእዛዝ
ኣብዛ ፡ ዕሽል ፡ ነፍሰይ ፡ ሓይልኻ ፡ ግለጽ

ተደጋሚ፦ ኣይሓደግካናን ፡ ሃሌሉያ
ኣይሓደግካናን ፡ ኣሜን
አሕሊፍካ'ውን ፡ ንጻላኢ ፡ ኣይሃብካናን

፬) ወንጌል ፡ ናይ ፡ ጽድቂ ፡ ከተበስርያ
ደጌታት ፡ ሲኦል ፡ ኣይሕይልዋን
ንስምካን ፡ ደምካን ፡ ኣጽዋር ፡ ጌርና
ክንኣቱ ፡ ኢና ፡ ክንኣቱ ፡ሃገርና

Get in Touch
  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page