top of page
goitom gy.jpg

Goitom G/Yonas

Mezmur

  1. ኣሎኒ ምስጋና

  2. ንዘልኣለም እዩ ምሕረትካ

  3. መን አሎ አበይ አሎ

  4. እኣምነካ የ እኣምነካ

Goitom G/Yonas       1

ኣሎኒ ምስጋና


  1. ንድምጺ ምህለላይ ሰሚዕካዮ ኢኻ
        ኣርዑት ካብ ክሳደይ ደርቢኻዮ ኢኻ
        ኣብ ሂወተይ ብዙሕ ስለ ዝገበርካ
        ደስ እንዳበለኒ ክብሪ ይህበካ

                  እንተፈቲኻዮ ባህ እንተኢሉካ
                  ንሱ’ዩ ዘሎኒ ዝኸውን ነዓኻ

  2. ባህ እንተኢሉካ
               ዘሎኒ ንሱ’ዩ ዝኸውን ነዓኻ


  3.               ገና ኣሎኒ ምስጋና
                  ገና ገና ኣሎኒ ምስጋና /4/

    2. ኣብ ልዕሊ ጸላእተይ መጎስ ትህበኒ
        ንርእሰይ’ውን ድማ ዘይቲ ትቐብኣኒ
        ንቐርነይ ከም ጎባይ ልዕል ኣቢልካዮ
        ሳላኻ ኣምላኸይ ኩሉ ስዒረዮ


3. ኣብ በረኽቲ ቦታ ተመላልሰኒ
                 ከም ንስሪ ብኣኽናፍ ኣደይብካኒ
                 ንመዓጾ አስራዝ እንዳሰባበርካ
                 ሳላኻ ኣለኹ ይባረኽ’ቲ ስምካ


 4. ኣብ ባህ ዘብል ቦታ ዕጫ በጺሑኒ
    አረ ጽቡቕ ርስቲ ድማ መጺኡኒ
    እግዚኣሄር ኣምላኽ ክፍሊ ርስተይ ኮይንካ
    ነብሰይ ደስ ኢሉዋ ትባርኽ ነዓኻ

Get in Touch
Underwater Dive

Goitom G/Yonas        2

ንዘልኣለም እዩ ምሕረትካ

1. ብምሕረት ኣዚኻ ዓቢ ኢኻ

    ንሰማያት በጺሑ  ሳህልኻ

    ንዘልኣለም ኣይትድርብይን

     ንሓዋሩ ኣይትቅየምን


                   ንዘልኣለም እዩ ምሕረትካ

                   ኣንጊሁ ይጅምር ሳህልኻ

                   ኣብ ልዕሊ ሰማያት ትነብር/ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ትነብር

                   ለውሃትካ ዘኪረ ክዝምር


2. ብብርሃን ገጽካ ኣጽጊብካ

    ብየማናይ ኢድካ ደጊፍካ

    ልብኻ ድልውዩ ንምሕረትካ

    ለውሃትካ ይበልጽ ካብ ሂወት


          3.  ንምድሓን ህዝብኻ ብሂግካ

              ብብርሃን ሓቅካን መሪሕካ

              መዲብካ ውልድካ ክኾኑ

              ፈቲካ ኣብ ቤትካ ክነብሩ 

               

4. ዘገርም ዘደንቕ ሳህልኻ

    ኣርኢኻዮም ንዝፈርሁኻ

    ባህ ዘብል ርስቲ ተዓዲሎም

   ብጹኣን ንስኻ ዝኣምላኾም

Get in Touch
Underwater Dive

Goitom G/Yonas           3

መን አሎ አበይ አሎ

መን ኣሎ አበይ ኣሎ ይዛረብ እንተሎ

ብግርማ ብኽብሪ ንየሱስ ዝመስሎ መን አሎ


1.  ንምድሪ  ክሰርሓን ክስርታን  ከሎ

  መን ኣሎ ከምዝን ከምትን ግበር ዝበሎ

  ፍልጠት ዘፍለጦ ምኽሪ ዘካፈሎ

  መግዲ ምስትውዓል መን ኣሎ ዘርኣዮ


     2.  ንሓመድ ምድሪ ዝእክብ አብ ሚዛን

         ዝመዝን ብነጥሪ ንኾረቢት አኽራን

         ዓቢ ጎይታ’ዮ ዕበየቱ ዘይምርመር

         ስልጡን ኣምላኽ’ዩ ብዓል ዓቢ ክበሪ


3.  ንማየት ብኢድ ዓሚኹ ሰፊሩ

    ንሰማያት ከኣ በጻብዕ ዝሰደረ

   ብሓይሊ ብኽእለት መዘና ዘይብሉ

   ብኹሉ ምሉእ እዩ ጎዶሎ ዘይብሉ 


      4.  አብ ቕድሚኡ ኩላቶም አህዛብ    

          ከም ነጥቢ ኣብ ዕተሮ ከም በሰር ኣብ ሚዛን

          እምብኣርሲ ምስ መን ከተመሳስልዎ

          ምስ ኣየናይ መልክዕ’ከ ከተወዳድርዎ

Get in Touch
Underwater Dive

Goitom G/Yonas        4

እኣምነካ የ እኣምነካ

         እኣምነካ የ እኣምነካ

         እኣምነካ የ እኣምነካ


  1. ንዝበልካዮ ኩሉ እኣምነካ

           ፍጻሜ ትገብረሉ እኣምነካ

          ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር እኣምነካ

          ቃልካ ከምዘይእሰር እኣምነካ


2. ብዝሓለፈ ኩሉ እኣምነካ

   ብዘለክዎ ድማ እኣምነካ

   ብዝመጽእ ተኮነ እኣምነካ

   ንስኻ ህያው ኢኻ እኣምነካ


  1. ብምዱብ ግዚኡ እኣምነካ

           ክትፍጽሞ ንኩሉ እኣምነካ

           ከምቲ ዝበልካዮ እኣምነካ

           ከም እተዛረብካዮ እኣምነካ


4. ወዲ ሰብ ኣይኮንካን እኣምነካ

   ሓሶት ኣይጠብቀካን እኣምነካ

   ዝበልካዮ ክኸውን እኣምነካ

   ኣዚዝካዮ ክቀውም እኣምነካ

Get in Touch
  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page