top of page

Yemane Habte
Mezmur
ብዕቤትካ ተፈሪሕካ ትነብር

Yemane Habte 1
ብዕቤትካ ተፈሪሕካ ትነብር
ብዕቤትካ ተፈሪሕካ ትነብር
መንሞ’ሎ ከማኻ ዝኸብር(2)
1. ሰማያት ክብርኻ ይነግሩ
ጠፈር ምድሪ ስራሕካ የውርዩ
ንስኻ ዓቢ ኣምላኽ ምዃንካ
ፈሊጡ ኵሉ የኽብረካ
2. ግርማን ክብርን ብምልኣት ዝለበስካ
ኣብ ዘይቕረብ ብርሃናት ዘሎኻ
ኣምላኸይ ዓቢ ኣምላኽ ምዃንካ
ፈሊጡ ኵሉ ይግዝኣካ
ብዕቤትካ ተፈሪሕካ ትነብር
መንሞ’ሎ ከማኻ ዝኸብር(2)
3. ካብ ስም ኵሉ ስምካ ዝለዓለ
ዝበቅዕ የለን ንዓኻ ዝመሰለ
ክሳብ ሕጂ ተኸቢርካ ዘሎኻ
ንዘልኣለም የሎን ዝመስለካ
bottom of page