top of page
Nature Photographer

Filimon Yohans

Mezmur

  1. ተከፊሉ (Tekefilu)

  2. እሙን ፡ ዩ (Emun Yu)

  3. ስምካ ፡ ክጽውዖ ፡ የ (Semka Ketseweo Ye)

  4. ግርማን ክብርን (Girman Kebren)

  5.  ኣሎካ (Aloka)

  6.  መን ፡ ኢዩ (Men Iyu)

  7.  ተባርክ (Tebark)

  8. እቲ ፡ ግዜ (Eti Gezie)

  9.  ኣነ ፡ መን ፡ የ (Ane Men Ye)

  10. ትንሳኤ (Tensae)

  11.  ክዝምር የ ጌና (Kezmer Ye Giena)

  12.  ኣቤት (Abiet)

  13.  ውዕለት (Weelet)

Nature Photographer

Filimon Yohans     1

ተከፊሉ

ኣምላክ ምሳይ ካብ ኮነ //2
መን ደ ኣሉ ዝቃወመኒ/ዝከሰኒ //4
የለን ኮ ዝቃወመኒ 
የለን ኮ ዝከሰኒ

ትማሊ ሓራ ሎሚ ውን ሓራ
ጽባሕ ውን ሓራ ብክርስቶስ ሓራ //4

ዋጋይ ኣብቲ መስቐል
ብደም ናይቲ ገንሸል
ተከፊሉ ተከፊሉ ተከፈሉ //6

እቲ ደም ኣብቲ መስቐል 
እቲ ደም ዝፈሰሰ
ንዓይ ሓርነት ንዓይ ናጽነት
ንኽውጽእ ኢዩ //2

ስለዚ ክምልክ የ //2
ክዝምር የ //2
ክዕልለሉ የ //2
ክሽብሽብ የ //2
ክዕብዮ የ //2

Get in Touch
Nature Photographer

Filimon Yohans

Next Level Service

We want all of our customers to experience the impressive level of professionalism when working with My Site. All of our services, especially this one, exist to make your life easier and stress free. You can trust us to supply you with the best products, as well as top quality customer service.

Get in Touch
Nature Photographer

Filimon Yohans      2

እሙን ፡ ዩ

ክድቅስ ኽትንስእ ዝሕጎሰሉ 
ኣብ ኩለን መዓልታተይ ዝሕበነሉ
እሙን ቓል ኣሎካ ዝበልካኒ
ኩሉ ሳዕ ክዝምረልካ ዝደረክኒ//2

እሙን ዩ--- የሱስይ ቃልኻ እሙን ዩ //4


ሰለዚ እዝምረልካ ሃሃ እወድሰካ ናዓካ ጎይታ
ሰለዚ ኽዝምረልክ ክቃነየልካ //2
ኡሙን ኢካ የሱስይ እሙን ኢኻ 
ኡሙን ኢካ ጎይታይ እሙን ኢኻ//3

እሙን ዩ--- የሱስይ ቃልኻ እሙን ዩ //4


ኣፈይ ከፊተ የመስግነካ 
ክዝመር ነቲ ዓቢ ግብርካ
ክሉ ግዜ ይሕጎስ ኣነ ብኣካ 
ኣምላከይ ንስካ እሙን ኢካ //2
እሙን ዩ--- የሱስይ ቃልኻ እሙን ዩ //4


ኡሙን ኢካ የሱስይ እሙን ኢኻ 
ኡሙን ኢካ ጎይታይ እሙን ኢኻ//3

Get in Touch

Filimon Yohans         3

ስምካ ፡ ክጽውዖ ፡ የ

ስምካ ክጽውዕ የ ሂወተይ ዩ ንሱ //2
ስምካ ዪ ሓጎሰይ ልበይ ዝዓርፈሉ 
ኣነስ የብለየን (ካልእ ዝዕቁበሉ) //2

የሱስ ምስ በልኩ,,,,, ኩሉ ዝኮነለይ
ስምካ ዩ ሓጎሰይ,,,, ምስጢር ናይ ሂወተይ 
ኣብ ስምካ ምውካል ፈውስ ሓይል ኣሎዎ 
ኣብ ስምካ ምእማን ፈውሲ ሓይሊ ኣሎዎ//4
የሱስ ኢለ ስምካ ጸውዐ
ሰላም ረኪበ ብኡ ዓጊበ 
የሱስ ኢለ ስምካ ጸዊዐ 
ሓይሊ ረኪበ ኣዝየ በርቲዐ//2

ስምካ ስ የሱስይ ጽኑዕ ግንቢ ዩ 
ከም ዝብሎ ቃልካ መዕቆቢ ክይኑኒ 
ኣነ ውን ብግደይ ነዚ ምስክር የ //4 
የሱስ ኢሉ መን ኢዩ ከሲሩ 
ኣይስማዕኩን ዝተማረረ //2

ስምካ ጸዊዐ ኣይደከምን ኢየ 
ንሱ ዩ ምስጢር ትርጉም ናይ ምንባረይ 
ናይ ዘላኣለም ርስቲ ኩሉ ዝኮነለይ //4 
 
እቲ ቁቡእ ስምካ ኣብ ዝጸዋዕኩሉ 
ኩሉ ግዜ ዓወት ስዕረት ዘይብሉ
እቲ ቁቡእ ስምካ ኣብ ዝድሃኩሉ
ኩሉ ግዜ ዓወት ስዕረት ዘይብሉ//4

Get in Touch

Filimon Yohans        4

ግርማን ክብርን

ግርማን ክብሪን ተኸሊሉ 
ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዝነብር 
ከም የሱሰይ መናሎ ብኩሉ ዝኸቢር //2


ብግርማን ክብሪን ተኸሊልካ 
ኣብዘይቅረብ ብርሃን ትነቢር 
የሱሰይ መን ዩ ዝመስለካ 
ኣምላኸይ የለን //ዝወዳደረካ//3/የለን
ዚመስለካ//3//የለን


ንስኻስ ሉዑል ኣምላኽ ኢኻ 
ንስኻስ ጻድቅ ኣምላኽ ኢኻ 
ሰማይን ምድርን ዝዘርጋሕካ
ፍጥረት ኩሉ ዝፈጠርካ
ክሉ ስልጣን ናትካ ዩ

ኩሉ ሓይሊ ኣብ ብኣካ ዩ //2
ኣብ ኢድካ ክሉ ሓይሊ
ኣብ ኢድካ ዩ ኩሉ ኽብሪ
ኣብ ኢድካ ዩ ኩሉ ዝና 
ኣብ ኢድካ ዩ
ኣብ ኢድካ ዩ ኩሉ ይስማዕ 
ኣብ ኢድካ ዩ ኩሉ ይፍለጥ
ኣብ ኢድካ ዩ 


የሱሰይስ መቃቢር ፈንቂልካ
ብግርማ ዓሪግካ ኢኻ
ሰብ ኣይኮንካን ሞትን ሂወትን
ኣብ ኢድካ ዩ ኣሃ ኣሃ//4

Get in Touch
Nature Photographer

Filimon Yohans         5

ኣሎካ

1) ኣብ የማናይ ኢድካ ንዝወቀጥካኒ
መሕደሪኻ ክኽውን ንዝሓረኻኒ
ሂበካ የ ኣነ መሉእ ዘመነይ
ንስምካ ክኽብር ንሱ ዩ ዕጋበተይ (፪x)

አዝ፦ ኣሎካ (፫x) ኣብ ጎነይ ዘይትጥንጥነኒ
ብናይ ዕርቡን መንፈስ ዝሓተምካኒ
ናተካ የ ዘለኣለም መን ዩ ዝኽሰኒ (፫x)

ሓለዋካ ንዓይ ኣዝዪ ይግረመኒ 
ብየማን ብጸጋም ክትክበኒ
ካልእ ኣይፈልጥን ንልበይ ዘዕረፈ 
ንስኻ ኢኻ የሱስ ንዓይ ሂወት (፪x)

አዝ፦ ኣሎካ (፫x) ኣብ ጎነይ ዘይትጥንጥነኒ
ብናይ ዕርቡን መንፈስ ዝሓተምካኒ
ናተካ የ ዘለኣለም መን ዩ ዝኽሰኒ (፫x)

ብምህሌት እስራኤል እትነብር ኣምላኽ
ኣነ ውን ብግዜይ ንስምካ ይባርኽ 
ንዓኻ ምኽባር ዩ ንሱ ዪ ሂወተይ
ካልእ የብለይ ዝሸሞ ኣብ ርእሰይ (፪x)

አዝ፦ ኣሎካ (፫x) ኣብ ጎነይ ዘይትጥንጥነኒ
ብናይ ዕርቡን መንፈስ ዝሓተምካኒ
ናተካ የ ዘለኣለም መን ዩ ዝኽሰኒ (፫x)

Get in Touch

Filimon Yohans        6

መን ፡ ኢዩ

መን ኢዩ ፣መን ኢዩ ዘፍርሶ ምኽርኻ
መን ኢዩ ዝቕይር ሓሳብካ
ንምኽርታትካ ዝፈልጦ
ንምግላጽካ ዝደፍሮ(2)
መን ኢዩ(2)

መን ኢዩ፣ ዝከራኸረካ
መን ኢዩ፣ ዘይምብርከኽልካ
መን ኢዩ ዘይሰግደልካ
መን ኢዩ ዘይግዝኣልካ

ኣብቲ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣትነብር ንስኻ በይንኻ
ንብርሃንካ መን የጸልምቶ ንሓይልኻ መን ዕሽሽ ይብሎ(2)
እቶም መርመርቲ ንመርምር ኢሎም
እቲ ምንጭኻ ካበይ ኢዩ ኢሎም
እንተዘዋወሩ ምንጮም ፈሊጦም
ካብ ሃተወተው ሂወት ድሒኖም ምስ ክብርኻ ተራኺቦም(2) 

ዓቢ(10) ስልጡን (10)

ብግርማኻ ስልጣን ዕቤትካ ፣ ጸላእትኻ ይግዝኡልካ
እናቀባጠሩ ይሰግዱልካ ፣ ከይፈተዉ ይምብርከኹልካ (2)
ኣነ እውን ነዚ ተረዲአ ፣
መዕረፍየይ ንስኻ ኢኻ ኢለ
ትውክልተይ ኣባኻ ኣንቢረዮ ፣
ንምርዳእካ ተረዲአዮ ፣ ብርክኽ ይብል መቺኡኒ ኣሎ (2)
ዓቢ(10) ስልጡን (10)

ነቲ ምስኪን ንስኻ ትዝክር ፣ ነቲ ሕዙን ትጸናንዕ
ናይ ፍቕርኻ ዘንጊ ትዝርግሕ ፣ ፍንፉን ብኽብሪ ትስሕብ
ምስ ሰማዕኩ በእዝነይ ድሮ፣
ረዲእትካ እቲ ብዓንተቦ
ተኣማሚነ ከምተዋጽኣኒ
ጨዲረ እንድየ ምሳኻ ይሕሸኒ፣ ንስኻ ኢኻ ተዋጻኒ (2)

መን ኢዩ ፣መን ኢዩ ዘፍርሶ ምኽርኻ
መን ኢዩ ዝቕይር ሓሳብካ
ንምኽርታትካ ዝፈልጦ
ንምግላጽካ ዝደፍሮ(2)
መን ኢዩ(2)

መን ኢዩ፣ ዝከራኸረካ
መን ኢዩ፣ ዘይምብርከኽልካ
መን ኢዩ ዘይሰግደልካ
መን ኢዩ ዘይግዝኣልካ

Get in Touch

Filimon Yohans        7

ተባርክ

ከይፈለጥኩኻ ፈልጥካኒ
ከይሓሰብኩኻ ሓሲብካኒ
ብስመይ ጸውዕካ ኣድሕንካኒ 

ፉሉዩ ፍቅርኻ የሱስ /3 
ፍሉዩ ምድጋጽካ የሱስ/2
ክሳብ ሕጂ ትረዳኒ ኣሎኻ 
ክሳብ ሕጂ ትሕብሕበኒ ኣሎኻ 

ኡሩሩ //2 ናበልካ ኡሩሩ //2 ናበልካ
ታተ //2 ናበልካ ታተ //2 ናበልካ

ኒውዳሰኪ ክብርኻ ተፈጥረ 
ገናዊን ኒስምካ ክዚምርየ
ልዕል ልዕል ከብለካ 
ነቲ ራኢሲ ህወት 
ብርኽ ብሪኽ ከብለካ 
ነቲ ራኢሲ ህወት

ነብሰይ ኪትዝምረልካ ያ 
ነብሰይ ኪትውድሰካያ 
ኣብዝኾነ ኡነት //4

ቁዱስ ቅዱስ ናበልኩ 
ብሩኽ ብሩኽ ናበልኩ 
ሓያል ሓያል ናበልኩ
ሂወት ዘበነይ የሕልፎለኹ

ተባረኽ ዎሆይ ተባረኽ
ተባረኽ የሱስ ተባረኽ 
ልዕል በል የሱስ ልዕል በል 
ልዕል በል ኣቦይ ልዕል በል

Get in Touch

Filimon Yohans           8

እቲ ፡ ግዜ

እቲ ጌዜ--- ቀሪባ ዩ //2
የሱስ ጎይታ ዝመጸሉ
እቲ ግዜ በጺሑ ዩ //2
ማሕበር ኣምላክ ትከደሉ

እቲ ግዜ በጺሑ ዩ 
ማሕበር ኣምላኽ ትዓረፈሉ
እቲ ግዜ በጺሑ ዩ 
ምስ ክርስቶስ ንነግስሉ


ተዳሊና ንጽናሕ ይሕዋተይ
መጽእ ኣሎ ክወሰደና 
ምስኡ ድማ ከወርሰና 
ዓስብና ውን ክህበና //2

ክህበና //4
ክውርስና//4

መዝሙር ምስጋና ነቅርበሉ
ን ጎይታና 
መዝሙር ምስጋና ንዘምረሉ
ንየስሱና //4


ንእግዚኣብሄር ንወርሰሉ
ምስኡ ድማ ንነብረሉ 
ናይ ምት ስጋ ዘብቃዓሉ
ስማይዊ ንለብሰሉ //3

Get in Touch

Filimon Yohans        9

ኣነ ፡ መን ፡ የ

ኣይረሳዕኩዎን ውዕለት ኣብቲ መስቀል
ኣይረሳዕኩዎን ዋጋይ ኣብቲ መስቀል //2

ካበይ ከም ዝመጸኩ ኣይርስዖን የ //2
ካበይ ከም ዝመጸኩ ይፍልጥ የ //2


ሕጂው ንዓካ ክነብር የ ጌና //2
ሕጂ ውን ንዓካ ክዝምር የ ጌና
ሕጂ ውን ንዓካ ከምልኽ የ ጌና



ኣነ መን ቤተይ ከ እንታይ ያ //2

ክሳዕ ክንድዚ ዘፍቀርካያ
ክሳዕ ክንድዚ ዝጋሰካያ 
ኽሳዕ ዝንድዚ ዝዕባካያ 
ክሳዕ ክንድዚ ዝክበርካያ

ስለዚ ኣነን ቤተይ ውን 
ንዓካ ነምልኽ //2
የሱስ ምሳይ እንከሎ 
ዝጎደለይ የለን መሊኡለይ
የንጀርብብ ኣሎ ጽውአይ 


ከምዚ ከማይ እንተለኩም 
ኣምስጉኑ ባርኹ ኣምላኽኩም //2

ዋጋይ ኣብቲ ምሰቀል 
ብዙሕ ዩ //2
ዋጋይ ኣብቲ መስቀል 
ብደሙ ዩ //2

Get in Touch

Filimon Yohans         10

ትንሳኤ

ንደሙ ኣፍሲሱ ኣድሒኑኒ 
ንሂወቱ በጃ ኣሕሊፍ ተበጂኒ
ግና መይቱ ኣይ-ተረፈን
የሱሰይ ተንሲኡ ዩ ካብ መቃብር //2


ተስፋይ ሲ ተሓዲሱ //4
የሱስ ሲ ተንሲኡ ዩ
ጎይታይ ሲ ተንሲኡ ዩ
መድሕነይ ሱ ተንሲኡ ዩ 
 
ብትንሳኤ ኣነ ውን ተንሰእ 
ምስቲ ልዕል ምስቲ ስልጡን 
ገና ክጥሕስየ ምስ የሱስይ 
ደጊም ሞተይ ኣብቂዑ ህይው የ 


ነቲ ኣብ ድሒረይ ዘሎ እንዳ ረሳዕኩ 
ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እንዳ ጠመትኩ
ክጎይ የ ገና ናብቲ ዓስቢ ዓወት
ኣይትሓዝን የ ብዝኮነ ኩነት 





ብዝሃበኒይ ቃል ከይተጠራጠርኩ
 ነዛ ሓላፊት ዓለም ከይ ጠመትኩ
ኽግስግስ የ ጌና ናብቲ ዓስቢ ዓወት 
ኣይትሓዝን የ ብዝኮነ ኩነት

Get in Touch

Filimon Yohans       11

ክዝምር የ ጌና

ክዝምር የ ጌና ክዝምር የ ጌና
ክዝምር የ ጌና ኽስውእ ምስጋና
ክዝምር የ ጌና ክዝምር የ ጌና 
ክዝምር የ ጌና ክዓን የ ምስጋና //2

ሰለ ኩሉ ግብርካ ክዝምር የ ጌና
ማዓስ ቃላት ይገልጾ ክብዝሕ የ ምስጋና
መግለጺ ኩሉ ዕብየካ ክምልኽ የ ጌና 
ብዝጥዓመ ቃና ብመስንቆ በገና 

ገና /ገና/ ገና //3// ገና ገና //2//3


ኣሰራራሓካ ፍሉይ መን ዩ ዝመስለካ 
ተኸቢርካ ትነብር ኣምላኸይ ኣብ ዝፋንካ 
ዘልኣለም እናተወደስካ እትነብር ጎይታ ኢካ 
ጌና ክውስኸሉ የ ጎይታይ ንኽብርካ

ገና / ገና / ገና //3// ገና ገና //2 //3


ዕብየትካ ዘይተመራሪ ትኣምራት ገባሪ
ዝማዓራረየካ የለን ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ
ኣምልኾ ዕብየት ክብሪ ክትወስድብቁዕ ኢኻ
ጌና ክውስኸሉ የ ኣነስ ንምስጋናካ


ገና / ገና / ገና //3// ገና ገና //2 //3


ክቃየነሉ የ ጌና // 3ብዝታዓመ ቃና
ከመስግኖ የ ጌና //3 ክፍቦ የ ምስግና
ክዝምረሉ የ ጌና //3 ብምሰንቆ በገና


ገና / ገና / ገና //3// ገና ገና //2 //3

Get in Touch
Nature Photographer

Filimon Yohans      12

ሓያል

ካብቲ ሓያል ዩ ዝበሃል የሱስ ትበልጽ 
ካብቲ ስልጡን ዩ ዝበሃል የሱስ ቲበልጽ 
ኣምላኸይ ትበልጽ //4 የሱሰይ ትበልጽ //4


ምንም ክጨንቀካ ኢድ ሰብ ኣይ ተገልጊለካን /2
ኩሉ ሓይሊን ስልጣኒን ኣብ ኢድካ ዩ 
ኩሉ ዚረን ዘይረአን ባኻዩ 
ዎ ንጉስ //3

ካብቲ ሓያል ዩ ዝበሃል የሱስ ትበልጽ 
ካብቲ ስልጡን ዩ ዝበሃል የሱስ ቲበልጽ 
ኣምላኸይ ትበልጽ //4 የሱሰይ ትበልጽ //4


ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኩሉ በኣኻ
ጸኒዑ ሎ በኣኻ//2
ይኹን ምስ በልካ ዝከውን 
ይፈጠር ምስ በልካ ዚተፈጠረ
ኣምላክይ ድንቂ //2

ካብቲ ሓያል ዩ ዝበሃል የሱስ ትበልጽ 
ካብቲ ስልጡን ዩ ዝበሃል የሱስ ቲበልጽ 
ኣምላኸይ ትበልጽ //4 የሱሰይ ትበልጽ //4

Filimon Yohans          13

ውዕለት

ኣብቲ ከቢድ ዝበልኩዎ ኣነ//2
ኣምላከይ ዩ ነሩ //3
ኣብቲ ዘይከኣል ዝበልኩዎ ኣነ //2
የሱስይ ዩ ንሩ //3

ጸላ-ኢ ክ--ፍክር ከሎ 
መንገደይ ክዓጹ ከሎ
ኣምካክይ ግን ድበኽ ዩ ዝብለ
ደበኽ ዩ ዝብለ //3

ብ---ምሕረት ኣምላክይ ዩ ነሩ//2
ብ---ልውሃት ኣምላክይ ዩ ነሩ//2
ብ---ፍቅሪ ኣምላክይ ዩ ነሩ //2
ኢዩ ነሩ //4

ስለቲ ኩሉ ፍቅካ/ሰናይካ 
ኣነ ሲ ከመስግነካ የ ጌና //2
ክባርከካይ የ ጌና //2
ክዕልልካ የ ጌና //2
ክዝምረልካ የ ጌና //2

ፍቅሪ ኢካ //3
ምሕረት ኢካ //3
ጎይታ ኢካ //3

እቲ ስልጡን 
እቲ ኩሉ ዝኽእል 
ደብኽ እባ በለ //3

ኣብ ፍቅሩ ትወኪለ 
ኣብ ምሕረቱ ተድጊፈ 
ኣብ ዕብየቱ ትኣሚነ 
ይነብር ኣሎኹ ኣነ //3

Get in Touch
  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page