top of page

ኣይትርሓቐኒ (Ayterhaqeni)

፩) ኮኾብ ፡ ጽባሕ ፡ ምስ ፡ ኣበሰረ ፡ ምውግሑ ፡ ለይቲ
   ጸጋ ፡ ንምርካብ ፡ ዎ ፡ የሱሰይ ፡ ናባኻ ፡ ኤድሂ
   ፈተና’ሎ ፡ ኣብ ፡ ቅድመይ ፡ በይነይ ፡ ዘይክእሎ
   ኣይትፈለየኒ ፡ ክስዕሮ
 
፪) ባህ ፡ ዝብለላ ፡ ዝተባረኸት ፡ ሰናይ ፡ መዓልቲ
   ክትኮነለይ ፡ ዎ ፡ የሱሰይ ፡ ቅረበኒ
   ጸላኢ’ሎ ፡ ዘይፈቱ ፡ ክሰልጠኒ
   ዎ ፡ የሱሰይ ፡ ኣይትርሓቐኒ

፫) ዝጠመየት ፡ ቃልካ ፡ ትብህግ ፡ ጥፍእቲ ፡ ነፍሲ
   ኣብ ፡ ዘላቶ ፡ ከበስራስ ፡ ጎይታይ ፡ ምርሓኒ
   ኣብቅዓኒ ፡ ክምለስ ፡ ተሓጒሰ
   ምስ ፡ ዓረበ ፡ እንዳእተይ ፡ ሒዘ
 
፬) እዋን ፡ ፈነዋይ ፡ እንተኾነት ፡ ሎሚ ፡ መዓልቲ
   ንሓይሊ ፡ ሞት ፡ መታን ፡ ክስዕሮ ፡ ኣኽእለኒ
   ኣብቅዓኒ ፡ ክፋኖ ፡ ተሓጒሰ
   ብህይወተይ ፡ ዕዮይ ፡ ቀሲነ

Get in Touch
  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page