top of page
Forest

Filimon Meles

Mezmur

  1. ይግብኣካ'ዩ

  2. ምስጋና ኾነ

  3. ወሊድካኒ ኢኻ

Forest

Filimon Meles       1

ይግብኣካ'ዩ

  1.    ኣብ በረኽቲ ክመላለስ ዝተባህለኒ መታን ክወርስ
       ዕርዲ ሰይጣን እናፍረስኩ ብኣምላኸይ ይሕጎስ ኣለኹ

               ይግብኣካ'ዩ ይግብኣካ /4/

               ዎ ብዙሕ ምስጋና ዎ ብዙሕ ኣምልኾ
               ዎ ብዙሕ ዝማሬ የሱስ ይኹን ነዓኻ
               ዎ ኣሻሕ ምስጋና ዎ ኣሻሕ ኣምልኾ
               ዎ ኣሻሕ ዝማሬ የሱስ ይኹን ነዓኻ


     ምዝማረይ ነዓኻ እምበር የሱስ ንመን ደኣ’ሞ
      ንእስነተይ ነዓኻ እምብር የሱስ ንመድ ደኣ’ሞ
      ምግልጋለይ ነዓኻ እምብር የሱስ ንመድ ደኣ’ሞ

                      ይግብኣካ'ዩ ይግብኣካ /4/

   2. ንሓይለይ ሓዲስካለይ ጸሎተይ መሊስካለይ
      ንንብዓተይ ደሪዝካዮ ውሽጠይ ሓጎስ መሊእካዮ

 3. ውድቀተይ ዝምነዩ ሓፊሮም ንድሕሪት ተመልሱ
     ኣምላኸይ ኣዕቂብካኒ ጸግዕን ዋልታን ኮንካኒ

Filimon Meles       2

ምስጋና ኾነ

ምስጋና ኾነ /2 'ቲ ኹሉ ከኣሊ ንኣይ ምስወነነ
ምስጋና ኾነ /2 ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ቤተይ ምስወነነ
ምስጋና ኾነ /2 ኣነ ናቱ ናቱ ኣነ ናቱ
ካብ ማእከል ብዙሓት ንእዑ 'ፈትው
ውድቀተይ ናብ ክብረት ዝቐየረ
ኣነ እንድየ ብየሱስ ተዘክረ

ህያው /8

ካባኻን ብኣኻን ዝኾነለይ
ኢድ ኣለዎ ስምካ ኣብ ህይወተይ
ካብቲ ድቕድቕ ጸልማት ኣውጺካኒ
ወራሲ ክኸውን ኣብቂዕካኒ

ህያው /8

ምስጋና ኾነ...

መለለይ ጌርካዮ ንመዝሙር ንመዝሙር እወ
መስሚኢ ጌርካዮ ንመዝሙር ኣሆሆ ንመዝሙር
ጐይታ ካብ ፈተኻ ብኣይ ክትከብር እወ እወ ብኣይ ክትከብር

ህያው /8

ከምልኸካ'የ ብዘይ ቓል ዓለም
ምንጪ ሰላመይ የሱስ ከማኻስ የለን
ክዝምረልካ'የ ብዘይ ስክፍታ
ህይወት ዝሓብካኒ ንስኻ እምበር ጐይታ

ህያው /8

Filimon Meles       3

ወሊድካኒ ኢኻ

[ወሊድካኒ ኢኻ ብሞትካ
ፍረ ጻዕርኻ እንድየ ናይ ደምካ] /2
[ስለይ ዝወዓልካ ኣብ መስቀል ቀራንዮ
ነዚ እንድያ 'ታ ነብሰይ ንስምካ ተዕብዮ] /2

ፍቕሪ እንዲኻ /3
የሱስ ብ ባህሪኻ

[ጾረይ ወሲድካዩ ኣብቲ መስቀል
ንዓይ ዘጎበጠ ብዙሕ ዘመን] /2
[ውጹእ ሓራ ኾይነ የሱስ ሳላኻ
ሂወት ምስ ተረፉ ረኺበ ብስምኻ] /2

ፍቕሪ እንዲኻ...

ሰሪሕካዩ ስርሐይ ተፈጸመ ኢልካ ተፈጻመ
ሓደ ከይጎደለ ተፈጸመ ኢልካ ተፈጸመ
[ናይ ዘልኣለም ሂወት ዝሃበኒ
ሓጢኣተይ ዘርሓቐ ገንሸል ኣምላክ የሱስ ኣሎኒ] /2

Filimon Meles       4

ብቐደሙ ንሱ ሓያል

ጥራይ ኩን ኣብ ጎነይ ኣይትፈለየኒ
ኣጸቢቐ እፈልጥ ከም ተዋጽኣኒ

ስለዘሎኻ ንምንባረይ ኣስተማቒረዮ ሃሌሉያ

ኣምላኽ ኣሎ ኣብ ዙፋኑ
ግርማን ክብርን ተሰሊሙ
የሱስ ኣሎ ኣብ ዙፋኑ
ግርማን ክብርን ተሰሊሙ
[ብቐደሙ ንሱ ሓያል
ፍጥረት ኩሉ የሱስ ይበል] /2

ንጸልማተይ ሰጒካዮ 
ብብርሃንካ ተኪእካዮ
[ነቲ ድንኩር 'ናኣለኻ
የእቲኻኒ ናብ ህቑፍኻ] /2

ስለዘሎኻ ንምንባረይ ኣስተማቒረዮ ሃሌሉያ

የሱስ ኣሎ ኣብ ጎነይ ዘይፍለየኒ
ኣረጋጊጸ'የ ከም ዘዋጽኣኒ
ከም ዘዋጽኣኒ የሱሰይ ከም ዘዋጽኣኒ
ከም ዘዋጽኣኒ /2

  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page