
Filimon Meles
Mezmur
ይግብኣካ'ዩ
ምስጋና ኾነ
ወሊድካኒ ኢኻ

Filimon Meles 1
ይግብኣካ'ዩ
ኣብ በረኽቲ ክመላለስ ዝተባህለኒ መታን ክወርስ
ዕርዲ ሰይጣን እናፍረስኩ ብኣምላኸይ ይሕጎስ ኣለኹ
ይግብኣካ'ዩ ይግብኣካ /4/
ዎ ብዙሕ ምስጋና ዎ ብዙሕ ኣምልኾ
ዎ ብዙሕ ዝማሬ የሱስ ይኹን ነዓኻ
ዎ ኣሻሕ ምስጋና ዎ ኣሻሕ ኣምልኾ
ዎ ኣሻሕ ዝማሬ የሱስ ይኹን ነዓኻ
ምዝማረይ ነዓኻ እምበር የሱስ ንመን ደኣ’ሞ
ንእስነተይ ነዓኻ እምብር የሱስ ንመድ ደኣ’ሞ
ምግልጋለይ ነዓኻ እምብር የሱስ ንመድ ደኣ’ሞ
ይግብኣካ'ዩ ይግብኣካ /4/
2. ንሓይለይ ሓዲስካለይ ጸሎተይ መሊስካለይ
ንንብዓተይ ደሪዝካዮ ውሽጠይ ሓጎስ መሊእካዮ
3. ውድቀተይ ዝምነዩ ሓፊሮም ንድሕሪት ተመልሱ
ኣምላኸይ ኣዕቂብካኒ ጸግዕን ዋልታን ኮንካኒ

Filimon Meles 2
ምስጋና ኾነ
ምስጋና ኾነ /2 'ቲ ኹሉ ከኣሊ ንኣይ ምስወነነ
ምስጋና ኾነ /2 ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ቤተይ ምስወነነ
ምስጋና ኾነ /2 ኣነ ናቱ ናቱ ኣነ ናቱ
ካብ ማእከል ብዙሓት ንእዑ 'ፈትው
ውድቀተይ ናብ ክብረት ዝቐየረ
ኣነ እንድየ ብየሱስ ተዘክረ
ህያው /8
ካባኻን ብኣኻን ዝኾነለይ
ኢድ ኣለዎ ስምካ ኣብ ህይወተይ
ካብቲ ድቕድቕ ጸልማት ኣውጺካኒ
ወራሲ ክኸውን ኣብቂዕካኒ
ህያው /8
ምስጋና ኾነ...
መለለይ ጌርካዮ ንመዝሙር ንመዝሙር እወ
መስሚኢ ጌርካዮ ንመዝሙር ኣሆሆ ንመዝሙር
ጐይታ ካብ ፈተኻ ብኣይ ክትከብር እወ እወ ብኣይ ክትከብር
ህያው /8
ከምልኸካ'የ ብዘይ ቓል ዓለም
ምንጪ ሰላመይ የሱስ ከማኻስ የለን
ክዝምረልካ'የ ብዘይ ስክፍታ
ህይወት ዝሓብካኒ ንስኻ እምበር ጐይታ
ህያው /8

Filimon Meles 3
ወሊድካኒ ኢኻ
[ወሊድካኒ ኢኻ ብሞትካ
ፍረ ጻዕርኻ እንድየ ናይ ደምካ] /2
[ስለይ ዝወዓልካ ኣብ መስቀል ቀራንዮ
ነዚ እንድያ 'ታ ነብሰይ ንስምካ ተዕብዮ] /2
ፍቕሪ እንዲኻ /3
የሱስ ብ ባህሪኻ
[ጾረይ ወሲድካዩ ኣብቲ መስቀል
ንዓይ ዘጎበጠ ብዙሕ ዘመን] /2
[ውጹእ ሓራ ኾይነ የሱስ ሳላኻ
ሂወት ምስ ተረፉ ረኺበ ብስምኻ] /2
ፍቕሪ እንዲኻ...
ሰሪሕካዩ ስርሐይ ተፈጸመ ኢልካ ተፈጻመ
ሓደ ከይጎደለ ተፈጸመ ኢልካ ተፈጸመ
[ናይ ዘልኣለም ሂወት ዝሃበኒ
ሓጢኣተይ ዘርሓቐ ገንሸል ኣምላክ የሱስ ኣሎኒ] /2

Filimon Meles 4
ብቐደሙ ንሱ ሓያል
ጥራይ ኩን ኣብ ጎነይ ኣይትፈለየኒ
ኣጸቢቐ እፈልጥ ከም ተዋጽኣኒ
ስለዘሎኻ ንምንባረይ ኣስተማቒረዮ ሃሌሉያ
ኣምላኽ ኣሎ ኣብ ዙፋኑ
ግርማን ክብርን ተሰሊሙ
የሱስ ኣሎ ኣብ ዙፋኑ
ግርማን ክብርን ተሰሊሙ
[ብቐደሙ ንሱ ሓያል
ፍጥረት ኩሉ የሱስ ይበል] /2
ንጸልማተይ ሰጒካዮ
ብብርሃንካ ተኪእካዮ
[ነቲ ድንኩር 'ናኣለኻ
የእቲኻኒ ናብ ህቑፍኻ] /2
ስለዘሎኻ ንምንባረይ ኣስተማቒረዮ ሃሌሉያ
የሱስ ኣሎ ኣብ ጎነይ ዘይፍለየኒ
ኣረጋጊጸ'የ ከም ዘዋጽኣኒ
ከም ዘዋጽኣኒ የሱሰይ ከም ዘዋጽኣኒ
ከም ዘዋጽኣኒ /2