top of page

ሓደራ ፡ ኣይትፈለየኒ (Hadera Aytfeleyeni)

፩) ዝበልዓሉ ፡ ጻሕሊ ፡ ሰቢሩ
   ንዘኽበሮ ፡ ጎይታ ፡ ኣሕሲሩ
   ክሃድም ፡ ካባኻ ፡ ርእየ’የ
   ሓደራ ፡ ጎይታየ

ተደጋሚ፦ ሓደራ ፡ ሓደራ ፡ ኣይትፈለየኒ
‘ካባኻ ፡ ዝተፈልየ ፡ ህይወት ፡ የብለይኒ’
(ካብ ፡ ጸጋኻ ፡ ዝተፈልየ ፡ ህይወት ፡ የብለይኒ’)
ሰራቅን ፡ ጉሒላን ፡ ከይዛረፈኒ

፪) ልቡ ፡ ካብ ፡ ኣምላኽ ፡ ኣሸፊቱ
   ምስ ፡ ጸላኢ ፡ ወገን ፡ ኣኽቲቱ
   ርእየ’የ ፡ ክሃድን ፡ ንኣኻ
   ሓደራ ፡ ባርያኻ

ተደጋሚ፦ ሓደራ ፡ ሓደራ ፡ ኣይትፈለየኒ
‘ካባኻ ፡ ዝተፈልየ ፡ ህይወት ፡ የብለይኒ’
(ካብ ፡ ጸጋኻ ፡ ዝተፈልየ ፡ ህይወት ፡ የብለይኒ’)
ሰራቅን ፡ ጉሒላን ፡ ከይዛረፈኒ

፫) ንዓይ ፡ ክሕሸኒ ፡ ክለምዓለይ
   ክኽዕበት ፡ ክበዝሕ ፡ ‘ቲ ዓስበይ
   ዎ ፡ ኣምላኸይ ፡ ይኹን ፡ ፍቓድካ
   ክነብር ፡ ኣብ ፡ ቤትካ

ተደጋሚ፦ ሓደራ ፡ ሓደራ ፡ ኣይትፈለየኒ
‘ካባኻ ፡ ዝተፈልየ ፡ ህይወት ፡ የብለይኒ’
(ካብ ፡ ጸጋኻ ፡ ዝተፈልየ ፡ ህይወት ፡ የብለይኒ’)
ሰራቅን ፡ ጉሒላን ፡ ከይዛረፈኒ
 
፬) ንፉዕ ፡ ኣማኒ ፡ ምባለይ
   ካብ ፡ ሰባት ፡ ናእዳ ፡ ምርካበይ
   ኣይኮነን ፡ ዘብዝሖ ፡ ዓስበይ
   ናእዳኻ ፡ እምበር ፡ ኣቦይ

ተደጋሚ፦ ሓደራ ፡ ሓደራ ፡ ኣይትፈለየኒ
‘ካባኻ ፡ ዝተፈልየ ፡ ህይወት ፡ የብለይኒ’
(ካብ ፡ ጸጋኻ ፡ ዝተፈልየ ፡ ህይወት ፡ የብለይኒ’)
ሰራቅን ፡ ጉሒላን ፡ ከይዛረፈኒ

Get in Touch
  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page