top of page

መድሓኒ ፡ ሎኒ (Medhani Loni)

መድሓኒ'ሎኒ ፡ ኣይኮንኩን ፡ በይነይ
ፈታዊ'ሎኒ ፡ ዝብለኒ ፡ ናተይ
እሙን ፡ ጓሳ ፡ ከውሒ ፡ ምድ ፡ ሓነይ
ዕምባባ ፡ ሳሮን ፡ ፈቃር ፡ የሱሰይ 

ተደጋሚ፦ መድሓኒ'ሎኒ ፡ ኣይኮንኩን ፡ በይነይ
ርእሲ ፡ መኣዝን ፡ የሱስ ፡ ንጉሠይ
እዚ'ዩ ፡ መዝሙረይ ፡ ኣብ ፡ መገሻይ
መድሓኒ'ሎኒ ፡ አይኮንኩን ፡ በይነይ

ጉዕዞይ ፡ ነዊሕ'ዩ ፡ ጸልማት'ውን ፡ ኣሎ
ፈተና ፡ ሽግር ፡ ንልበይ ፡ ዝኸብዶ
ሓይሊ ፡ ጸልማት ፡ መገደይ ፡ ይዓግቶ
ግንከ ፡ ምስ ፡ ጐይታይ ፡ ንኹሉ ፡ ስዕሮ

ተደጋሚ፦ መድሓኒ'ሎኒ ፡ ኣይኮንኩን ፡ በይነይ
ርእሲ ፡ መኣዝን ፡ የሱስ ፡ ንጉሠይ
እዚ'ዩ ፡ መዝሙረይ ፡ ኣብ ፡ መገሻይ
መድሓኒ'ሎኒ ፡ አይኮንኩን ፡ በይነይ

ኩሉ ፡ ዕለተታይ ፡ ምስ ፡ ኣብጻሕኩ 
ብዓወት ፡ ርባ ፡ ሞት ፡ ምስ ፡ ሰገርኩ
ካብ ፡ ኢድ ፡ የሱስ ፡ እቕበል ፡ ኣኽለይ
ወርትግ ፡ እነብር ፡ ምስ ፡ ፍቁረይ

ተደጋሚ፦ መድሓኒ'ሎኒ ፡ ኣይኮንኩን ፡ በይነይ
ርእሲ ፡ መኣዝን ፡ የሱስ ፡ ንጉሠይ
እዚ'ዩ ፡ መዝሙረይ ፡ ኣብ ፡ መገሻይ
መድሓኒ'ሎኒ ፡ አይኮንኩን ፡ በይነይ

Get in Touch
  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page