top of page
yoni sosi.jpg

Yoni and Sosi

Mezmur

  1. ኣብዚ ዘብጽሕካኒ ንስኻ ኢኻ

  2. ተስፋይ ንስኻ ኢኻ

  3. እግዝኣብሄር ዝበሎ ንሱ እዩ ዝኸውን

  4. እቲ ሓያል ዓቢ ነገር ጌሩለይ

  5. ሰናይ ኢኻ

  6. ሂወተይ ኢኻ ንስኻ  

  7. ይሕጎስ ኣሎ ልበይ

  8. እተን ዝሓለፋ

  9. ብዘይ ብኣኻ እንታይ ጽቡቕ ኣሎኒ ድዩ

  10. ተማሪኹ ልበይ ብኣኻ

  11. ዘመን መጺኡለይ

  12. በይንኻ እንዲኻ ኣምላኽ  

  13. ብበረኸት ቤቱ

  14. ክሳዕ ሕጂ ዝጾራኒ

  15. ብቀደሙስ ተወኪለኻ እንድየ

  16. በረኸተይ'ዩ ዝብሎ

  17. ግዜ 'ለዎ ኣምላኸይ

  18. እየሱስ ኢለ ስሙ ጸዊዐ

  19. ደሙ’ሎ ኣብ ልዳተይ

  20. ካብ መረጽካኒ

  21. እርኢ‘ለኹ

  22. ኣይትምርመርን

  23. ብምሉእ ልበይ

  24. መን ፡ መን ፡ ይመስለካ ፡ መን

  25. ሕጂ'ያ

  26. ኣምላኽ ሰማይ

  27. ሃሌሉያ

Underwater Dive

Yoni and Sosi     1

ኣብዚ ዘብጽሕካኒ ንስኻ ኢኻ 

             ኣብዚ ዘብጽሕካኒ ንስኻ ኢኻ አብዚ
          ኣብዚ ዝበጻሕኩ በኣኻ’ዩ አብዚ
          ነየናይ ጀሚረ ነየናይ ክገድፎ 
          ዝገበረካለይ ብዙሕ’ዩ ጸብጺበ ኣይቆጽሮን
          ምስጋናይ ዘሎኒ ነዓኻ ስለቲ ሰናይ’ካ

1. ኣበይ ምሃለኹ ተዘይትሓስበኒ
   ካብ ጎደፍ አልዒልካ
   ዙፋን ክብሪ ተዘይተውርሰኒ
   ብሂግካኒ ኢኻ እሞ ኣናጊፍካኒ 
   ንቁም ነገር ኮይነ ሰብ ጌርካኒ

            2. ኦሮማይ ዝተባህሎ ሓወልቲ ዝተዘርኦ
                 ክንደይ ዘይተሓልፈ በረኽቲ ስምጭሮ
                 ኣብ ዝባንካ ጼርካ ሓንጊርካ አስጊርካያ
                 ምህላውካ ምስኣ ነብሰይ ምስክር‘ያ

3. ኣለኹ አይጠፋእኩን ዋጋ’ዩ ተኸፊሉኒ
   ሒዙ ኣየስጠመንን እቲ ረግረግ ሰልሚ
   ሞተይ እንተ ኣውረየ ትምኒትዩ ጸላእየይ
   ኣነ አለኹ’የ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ’የ

Underwater Dive

Yoni and Sosi     2

እግዝኣብሄር ዝበሎ ንሱ እዩ ዝኸውን 


 እግዝኣብሄር ዝበሎ ንሱ እዩ ዝኸውን /4/

ንሓሶት ሰይጣን ከይሰምዖ እዝነይ ሓቲመየ

ዝበሎ ከምዝገብሮ  ንኣምላከይ ይኣምኖየ

ኣምላኸይ ከይሕሱ ሰብ  ኣይኮነን

ከይጠዓስ ድማ ወዲ ሰብ ኣይኮነን (6)


       እግዚአብሄር ከምቲ ዝበሎ እምበር ብዕድለይ ኣይነብርን

       ኣምላኸይ ከምቲ ዝበሎ እምበር ኣጋጣሚ ኣይነብርን


እግዝኣብሄር ዝበሎ ንሱ እዩ ዝከውን

ሰብከ ተጨኒቁ ኣብ ልዕሊ ቁመቱ

እንታይ ዝውስኮ እንታይከ ኣሎ እዩ

ብኣምላኽካ ጽናዕ ልብካ ኣይሸበር

ንሱ እዩ ዝፍጸም ሓሳብ እግዝኣብሄር (6)


           ኣምላኸይ ከምዝበሎ እምበር ብዕድለይ ኣይነብርን

           እግዝኣብሄር ዝበሎ ንሱ እዩ ዝኸውን


ካብ ምድላይ ኣይኮነን ወይ ካብ ብዝሒ ምድላይ

ኣሜን ምባልዩ ንቃሉ ምጽባይ

ምስኡ ምስምማዕ ዝመስልዎ የለን

ምክሩ ብዘይፍልጠት ዘጸልምቶ የለን

Underwater Dive

Yoni and Sosi        3

እግዝኣብሄር ዝበሎ ንሱ እዩ ዝኸውን 

 እግዝኣብሄር ዝበሎ ንሱ እዩ ዝኸውን /4/

ንሓሶት ሰይጣን ከይሰምዖ እዝነይ ሓቲመየ

ዝበሎ ከምዝገብሮ  ንኣምላከይ ይኣምኖየ

ኣምላኸይ ከይሕሱ ሰብ  ኣይኮነን

ከይጠዓስ ድማ ወዲ ሰብ ኣይኮነን (6)


       እግዚአብሄር ከምቲ ዝበሎ እምበር ብዕድለይ ኣይነብርን

       ኣምላኸይ ከምቲ ዝበሎ እምበር ኣጋጣሚ ኣይነብርን


እግዝኣብሄር ዝበሎ ንሱ እዩ ዝከውን

ሰብከ ተጨኒቁ ኣብ ልዕሊ ቁመቱ

እንታይ ዝውስኮ እንታይከ ኣሎ እዩ

ብኣምላኽካ ጽናዕ ልብካ ኣይሸበር

ንሱ እዩ ዝፍጸም ሓሳብ እግዝኣብሄር (6)


           ኣምላኸይ ከምዝበሎ እምበር ብዕድለይ ኣይነብርን

           እግዝኣብሄር ዝበሎ ንሱ እዩ ዝኸውን


ካብ ምድላይ ኣይኮነን ወይ ካብ ብዝሒ ምድላይ

ኣሜን ምባልዩ ንቃሉ ምጽባይ

ምስኡ ምስምማዕ ዝመስልዎ የለን

ምክሩ ብዘይፍልጠት ዘጸልምቶ የለን

Underwater Dive

Yoni and Sosi           4

እቲ ሓያል ዓቢ ነገር ጌሩለይ


                   እቲ ሓያል ዓቢ ነገር ጌሩለይ
                   ዘኪርዎ ኩሉ መርገመይ 
                   እቲ ዓቢ ምረት ንሰላመይ ለዊጡዎ....
                   ነቲ ዝኸብደኒ ጾር ወሲዱዎ
             ከመይ'ሉ ይኾነሉ ናተይ ነገር.... ጎይታ'ዩ 'ምንበር
             ከመይ'ሉ ይኾነሉ ናተይ ነገር.... ፍቕሩ'ዩ 'ምንበር

1 .  ናይ እምነት መርከበይ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደት
      ማዕበል ግን ናብዝን ናብትን ደፍኣ ንምጥሓል ኣዝያ ቀረበት
      ማያት'ውን ምስ ኣተዋ ኣዝየ ክጭነቕ ጀመርኩ
      ብኽእለተይ ክፈትሖ ላዕልን ታሕትን በልኩ
      ሓላውየይ ግን ኣይተታኸሰን ነቲ ማዕበል ገንሖ ጸጥ ኣበሎ
      ዓቢ ህድኣት ኮነለይ ሰላመይ'ውን መልኣለይ

             2. መንፈሰይ ብኣምላኸይ መድሕነይ ባህ ይብሎ
                  ውርደት ባርያኡ ንዝረኣየ ነቲ ሓያል ይባርኾ
                  ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ጸጋ ረኺበየ'ሞ
                  ካብ ሕጂ ንዘልኣለም ባህ ኢሉኒ የኽብሮ
                  ምሕረቱ ነቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር ኢዩሞ
                  ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ባህ ኢሉዋ ተዕብዮ


Underwater Dive

Yoni and Sosi          5

ሰናይ ኢኻ   

   


        1. ኣጉባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን

          ኣባጽሕ’ውን ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ

          እቶም ንዓኻ ዝጽበዩ ግና

         ሓይሎም እናበርትዐ ክጐዩ'ዮም ገና


                   ሰናይ ኢኻ እወ ሰናይ (2)

                  ብባህሪኻ ሰናይ ኢኻ

                  ሰናይ ድማ ትገብር ኣሎኻ


            2.  ኣኽራን ብነድሮም እንተንቀጥቀጡ

                     ማያት ዓፊሮም እንተ ተናወጹ

                      በዚ ሰናይካ ኣይልወጥን'ዩ

                      ሰንደቕ ዕላማኻ ፍቕሪ እዩ


3. ሕማቕ ክትርኢ ኣይከኣለካን'ዩ

    ንርሱዕ ምዝካር ባህሪኻ እዩ

    ንጭኑቕ ንሽጉር ፍትሒ ተውጽኣሉ

    ልማድካስ ወትሩ ሰናይ እዩ


             4. እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅርዎ

                 ከም ምኽሩ እውን እተጸውዑ

                 ኵሉ ነገር ንሰናዮም

                 ከም ዝድግፎም ኣይንጠራጠርን

Underwater Dive

Yoni and Sosi        6

ሂወተይ ኢኻ ንስኻ

  


    ብዘይ በኣኻ ሂወት የብለይን  /8/
      ሂወተይ ኢኻ ንስኻ ሂወተይ ኢኻ  /4/


መአዛኻ ከይሸተትኩ
ክቡር ድምጽኻ ከይሰማዕኩ /2/
ኣይውዕልን አነ’ሲ
ኣይሓድርንአነ’ሲ

ሂወት የብለይን አነ’ሲ /2/


         ሂወተይ ኢኻ ንስኻ ሂወተይ ኢኻ /4/


ፍግም ኢለ ከይሰገድኩ
ቅዱስ ስምካ ከይጸዋዕኩ
ናብ መቕደስካ ከይአተኹ /2/
ኣይክእልን አነ’ሲ

አይነብርን አነ’ሲ 

ሂወት የብለይን አነ’ሲ /2/


       ሂወተይ ኢኻ ንስኻ ሂወተይ ኢኻ  /4/


       ሂወተይ ኢኻ’ሞ ክበር ክበር 

አነ’ስ አይደክምን ክበር ክበር /4/

በብመዓልቱ በብሰዓቱ
ከይጎደለ መቕደስካ ዝአቱ /2/


        እንካ እንካ እንካ ምስጋናይ /4/
        እንካ እንካ እንካ ሽብሸባይ

Underwater Dive

Yoni and Sosi        7

ይሕጎስ ኣሎ ልበይ


  ይሕጎስ ኣሎ ልበይ ኩሉ ጊዜ በኣኻ
  ይሕጎስ ኣሎ ልበይ ኩሉ ጊዜ በኣኻ

 ነዓይ ሰናይ ምግባር ኮይኑ’ሎ ልማድ
 ነዓይ ጽቡቕ ምግባር ንሱ’ዩ ሓጎስካ

            ሎሚ ይዝምረልካ ጽባሕ ይዝምረልካ
            ኩሉ ጊዜ ይዝምረልካ /2/
            ኣይደክምን’የ ክዝምረልካ /4/

ኣይትጽገብ ኣይትምኖንን ኢኻ /3/
ስርሐይ ሂወተይ’ዩ ምምላኽ ነዓኻ /2/

ምሽባር ኮይኑ ሰፈር ጸላእተይ
ምስጋና መሊኡ ደምበ ናተይ

ሓሳብ ኣጋነንቲ ምኽሪ ጠንቆልቲ
ብስምካ ፈራሪሱ ብናይ ስልጣን ሓይሊ

          ኣብ ሰፈር ጸላእተይ ተሰሚዑ ኣሎ ድምጺ መዝሙረይ
          ኣብ ሰፈር ጸላእተይ ተሰሚዑ ኣሎድምጺ ምስጋናይ
          ኣብ ሰፈር ጸላእተይ ተሰሚዑ ኣሎ ወኻዕታይ
          ኣብ ሰፈር ጸላእተይ ተሰሚዑ ኣሎ እልልታይ
          ኣበሎ ኣምላኽካ ዝበሉ
          ኣእዳዎም ኣብ ኣፎም ክሳብ ክሳብ ዘንበሩ

          በረኸተይ ኣብጀርቢቡ  /4/

Underwater Dive

Yoni and Sosi          8

እተን ዝሓለፋ


     እተን ዝሓለፋ ኩለን ዓመታተይ
     ንሰን ይዛረባ ረዲኤት ኣምላኸይ
     እተን ዝሓለፋ ኩለን ዓመታተይ
     ባዕለን ይዛረባ ረድኤት ኣምላኸይ
     እተን ዝመጻኹወን ኩለን ዓመታተይ
     ባዕለን ይመስክራ ረዲኤት ኣምላኸይ

               ረዲኡኒ ረዲኡኒ ረዲኡኒ
               ሓይሊ ሂቡ ኣበርቲዑ ኣቒሙኒ
               ባዕለይ ኣይበጻሕኩን ኣብዚ /8/

ኣነ’ሞ ይእመን ኣለኹ /4/ ኣነ’ሲ ይእመን ኣለኹ
ባዕለይ ኣይበጻሕኩን ኣብዚ /8/

ገለ ምስ ዝጨንቆ ሰብ ዘተገልግሎ
በይኑ መሪሑኒ ኣቦ እንድዩ ኮይኑኒ
 
           ረዲኡኒ ረዲኡኒ ረዲኡኒ
        ሓይሊ ሂቡ ኣበርቲዑ ኣቒሙኒ
        ባዕለይ ኣይበጻሕኩን ኣብዚ /8/

        እቲ ፈታውየይ ስሙ ይኽበረለይ
        እቲ መፍቀርየይ ስሙ ይኽበረለይ
        ኣብ ድኻም ብርትዐይ ስሙ ይኽበረለይ
        ኣብ ውግእ ዓወተይ ስሙ ይኽበረለይ
        ስሙ ይኽበረለይ /8/
 
ርእየዮ ክድግፍ ኩሉ ነገር ንሰናየይ/2/  ንሰናየይ /8/

Underwater Dive

Yoni and Sosi          9

ብዘይ ብኣኻ እንታይ ጽቡቕ ኣሎኒ ድዩ



                        ብዘይ ብኣኻ እንታይ ጽቡቕ ኣሎኒ ድዩ

                        ብዘይ ንስኻስ እንታይ ሰናይ ኣሎኒ ድዩ

                        ኣምላኸይ ዕጋበተይ ብኣኻ'ዩ

                        የሱሰይ ትምክሕተይሲ ብኣኻ'ዩ

                        ፍትወይ ደው ምባለይ ብኣኻ'ዩ

                        ጐይታየ ሰላመይሲ ብኣኻ'ዩ


1.  ቀደምሲ ጐይታ ብዛዕባኻ ሰሚዔ'የ

    ሕጂ ግን የሱስ ዓይነይ ብርግጽ ርእያትካ

    ካባይ ገለ ሰናይ ዘይወጽእ እንከሎ

    የሱስ ንስኻ ኵሉ ጽቡቕ ትገብሮ (6)


      2.  ካብቲ በላዒ ብልዒ ምውጻእ ልማድካ'ዩ

          ታሪኽ ህይወት ሰብ ምልዋጥ ናትካ'ዩ

          ንዓኻ ምርካብ ኵሉ ሰናይ ምርካብ'ዩ

          ትሕቲ በረኸት ልዕሊ መርገም ምውጻእ'ዩ (6)


3.   ከም ዝጨንቀካ ኢድ ሰብ ከቶ ኣይተገልግለካን

     ከይሃብካዮ ኣብ ሰብ ጽቡቕ ሰናይ የለን

     ምሉእ ጽቡቕ ውህበት ኵሉ ካባኻ'ዩ

     ዕጋበተይ ኵሉ ትምክሕተይ ብኣኻ'ዩ (6)


    4.   ኣብ ልብኻ ካብ ተሓሰብኩ ይኣኽለኒ

         ኣብ ዓይንኻ ካብ ከበርኩ ይኣኽለኒ

         ኣብ ኣእዳውካ ካብ ተወቀጥኩ ይኣኽለኒ

         ኣብ ኣእዘንካ ካብ ተሰማዕኩ ይኣኽለኒ (6)

Underwater Dive

Yoni and Sosi          10

ተማሪኹ ልበይ ብኣኻ



ተማሪኹ ልበይ ብኣኻ ወሲድካዮ ልበይ ንስኻ

ተማሪኹ’ሎ ልበይ /3/ ብኣኻ

ተመሲጡ’ሎ ውነይ /3/  ቀልበይ ምሳኻ


 1 .       ክንደይ ከ ይጽብቕ እቲ ትርኢትካ

            ገጽካ የንጸባርቕ ንዝረኣየካ ንዝረኣየካ

            ኣእጋርካ ከም ኣብ ሓጎዶ ዝረሰነ ሓዊ እዩ

            ኣዒንትኻውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እዩ


                2 .    ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ከም ዕምበባ

                      ፈታውየይ በይንኻ ኣሎካ ሓለፋ ኣሎካ ሓለፋ

                      ፍትወይ ናተይ ኢኻ ኣነ ድማ እየ ናትካ

                      ጥዒሙኒ ሎ ማሪኹኒ ፍቕርኻ


 3 .       ናይ ገነት ዓይኒ ማይ ኣሎ ኣባኻ

           ዘልኣለም ሂወትዩ ፈልፋሊ ዒላኻ /2/

           ካብ ኣኽራን እናዘለለ ድምጽኻ ምስ ዝመጻኒ

           ሓይለይ ይሕደስ ሓጎስ ይመልኣኒ 

Underwater Dive

Yoni and Sosi           11

ዘመን መጺኡለይ



   1.      ኣፈይ ክዓብሱ ስቕ ከብሉኒ
            ከይዝምረልካ ኣነ ከይቃኒ
            መንሞ ይዓግቶ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ
            መመሊሱ ሲ ይፍልፍል ኣሎ

                  ዘመን መጺኡለይ ዘመን ዕረፍቲ
                 ሓሊፉ እዩ ናተይ ክረምቲ
                 ዘበን መጺኢለይ ዘበን ምስጋና
                 ክባርዀ’የ ስምካ እንደገና

2.         ክብረትዩ ንዓይ ምጽዋዕ ስምካ
            ኪዳን ኣሎኒ ክዝምረልካ
            ከመይ ስቕ ክብል ከየኽበርኩኻ
            ሕፍረት ጸላእተይ ዓይነይ ርእያ እያ

3.         ርእሲ ዘድንን ኣርዑት ፈርኦን ሴርካ
            ሓራ ጌርካኒ ክዝምረልካ
            ኣብ ውሽጠይ ኣሎ ኵሉ ምሕረትካ
            ስቕ ኣየብልን እዩ እዝምረልካ


4.            ኣይወሓጥን በዚ ዝሓልፎ ማዕበል

                ልዕሊ ኩነታት ኣሎኒ ዘሳግር (2)

                በቲ ተስፋ ቓል ኣይጠራጠርን እየ

                ዝጸውዓኒ እኣምኖ እየ ኣነ (2)

               

                   ዘበን መጺኡለይ ዘበን ዕረፍቲ

                    ሓሊፉ እዩ ናተይ ክረምቲ

                    ዘበን መጺኢለይ ዘበን ምስጋና

                    ክባርዀ እየ ስምካ እንደገና


5.            ኣይናወጽን በዚ ዝርእዮ ሎሚ

                ኣሎኒ እንድዩ ጽቡቕ ዘልመደኒ

                ኣይናዋጽን ብዝኸበበ ኣብ ዙርያይ

                ኣምላኸይ እዩ ኤልሻዳይ ኤልሻዳይ

                ጽቡቕ መዓልትታት እዩ ዘሎ ኣብ ቅድመይ

                ንዕኡ እንዳረኤኹ አብዝሖ ምስጋናይ

Underwater Dive

Yoni and Sosi              12

በይንኻ እንዲኻ ኣምላኽ


1.በይንኻ ኢኻ ኣምላኽ ነምልኸካ ኣሎና

  በይንኻ ኢኻ ንጉስ ንሰግደልካ ኣሎና

  በይንኻ ኢኻ ጐይታ ንግዝኣካ ኣሎና

  በይንኻ ኢኻ ስልጡን ነኽብረካ ኣሎና

                                ዝፋንካ ንዘለኣለም ጸኒዑ ይነብር

                                ዘንጊ መንግስትኻ ዘንጊ ቅንዕና'ዩ

                                ከማኻ ዝበለ ኣይርከብን እዩ

                                ኣዚኻ ዓቢ ኢኻ መወዳድርቲ የብልካን'ዩ

                                ሃሌሉያ (4)

                                ሃሌሉያ ክብሪ ንስምካ (2)

2. በእላፋት ቅዱሳን ተኸቢብካ ዘሎኻ

    ኣብቲ በረኽቲ ኣኽራን ትውደስ በይንኻ

    ሓደ’ኳ ኣይመስለካን ፍጹም ኣይቀርበካን

     ዘልኣለም ትርአ ደሚቕካን ገኒንካን

                             ኣብ ዘበናት ምሉእ በይንኻ ኢኻ ንጉስ

                                ጊዜን ዘመናትን ኣይልውጠካን'ዩ

                                ስልጣንካ ፍሉዩ ማንም ዘይመስሎ

                                ብሓይሊ ግርማኻ ንዅሉ ትስዕሮ

                               ሃሌሉያ (4)

                              ሃሌሉያ ክብሪ ንስምካ (2)


3. ብማህሌት እስራኤል እትውደስ ኣምላኽ

    ቅዱስ ቅዱስ ሓያል ዓቢ እትበሃል

    ኣታ ክንደይ ድንቂ ግኑንን ስልጡንን

    ንምግላጽ ክብርኻ ልሳን ኵሉ ይጭድር


                                ብሳህልን ምሕረትን ዝፋንካ መሊኡ

                                ርሕራሔካ ድማ ንውሉድ ወለዶ'ዩ

                                ሳላ ስልጣን ዕብየትካ ጸላእትኻ ኩሎም

                                እናቃባጠሩ ይግዝኡልካ'ዮም

                              ሃሌሉያ (4)

                              ሃሌሉያ ክብሪ ንስምካ (2)

Underwater Dive

Yoni and Sosi         13

ብበረኸት ቤቱ


  1. ብበረኸት ቤቱ ህይወተይ እናጽገበ

   የንብረኒ ኣሎ ብዓወት ተኸቢበ

   ከምዚ ናተይ ናብራ ትነብሩ ዘለኹም

   ኣእዳውኩም ኣልዕሉ ባርኹ ኣምላኽኩም /2/


          ኣምላኸይ /3/ ደላይ ጽቡቐይ

          ኣምላኸይ /3/ ፈታው ሰናየይ


2. እቲ ንህይወተይ ጽቡቕ ዝሓስበላ

   ካባይ ኣብሊጹ ዝጥንቀቐላ

   ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ እናሰጋገረ

   ኣብ ርእሲ ጸላእተይ እኔኹ ደው ኢለ /2/


3. ደጊም ዝሕዘኒ ኵሉ ዝኣስረኒ

   ካባይ ኣንከራርዩ ፍጹም ተደንኪሉ

   ካብ ቛቑራ ወጺአ ገጸይ ዘርእየሉ

   ምስጋና'ዩ ቋንቋይ ድምጸይ ዘስምዓሉ /2/


        ተመስገን የሱስ /4/

       ብዘይ ብኡ ቃላት የብለይን ንዓኻ ዝኸውን

       ብዘይ ንሱ ቋንቋ የብለይን ንዓኻ ዝኸውን

       ተመስገን'የ ዝብለካ ደጋጊመ/2/

       ተመስገን'የ ዝብለካ ደጋጊመ


4. ኵሉ ትገብረለይ እቲ ትሓስበለይ

   እንታይ ተበልኩኻ'የ ልበይ ዝዓርፈለይ

   ኵሉ ካብ ኣእምሮይ ንላዕሊ ኰይኑኒ

   ገለ ተገለጽኩ እኔኹ እቛኒ /2

Underwater Dive

Yoni and Sosi            14

ክሳዕ ሕጂ ዝጾራኒ


1. ማዕበል ሞት ኣየፍርሃንን

   ነድሪ ኣኽራን ኣየስጠመንን

   ብማእከል ሓዊ ሓሊፈ ሃልሃልታ ኣይሃሞኸንን

   ርእያያ ዘደንቅ ሳህልኻ ከም ትቀርብ ካብ ትንፋሳ

   ሳላኻ ደው ኢላ ተመስግን ካብ ሰዓርቲ በሊጻ /2/


            ክሳዕ ሕጂ ዝጾራኒ ብሩኻት ኣእዳውካ

            ክሳዕ ሕጂ ዝተሰከማኒ ብሩኻት ኣእዳውካ

            ኣየ'ቲ ትዕግስትኻ እዋይ ምሕረት ለውሃትካ

            እና ተደንቅኩ እባርኸካ ጎይታ አመስግነካ

            ንስኻስ ምስጋናይ ኢኻ


2.  ብጓሂ ተኪዘ ይመጽእ

    ኣብ ትሕቲ እግርኻ ይወድቅ

    ድንጋጽካ ኣይተኸልከለንን ብትርኢት ገጽካ ይጸግብ

    ኣ'ታ ሃረርታ ትሑታት ትሰምዖ ንልቦውን ተበርትዖ

    ውሉደይ ኢልካ ደጊፍካኒ ብምጽንናዕካ ከቢብካኒ /2/


            ክሳዕ ሕጂ ዝጾራኒ ብሩኻት ኣእዳውካ

            ክሳዕ ሕጂ ዝተሰከማኒ ብሩኻት ኣእዳውካ

            ኣየ'ቲ ትዕግስትኻ እዋይ ምሕረት ለውሃትካ

             እና ተደንቅኩ እባርኸካ ጎይታ አመስግነካ

            ንስኻስ ምስጋናይ ኢኻ


3. ብልዕልናኻ ንረዲኤተይ ኣብ ሰማይ ዝተወጣሕካ

    ጸበባ ድነ ሞት ሰጊረ ተጸይረ ኣብ ኣእዳውካ

    ኣዝዩ ንምእማኑ ዘሸግር ኩነታት ኣሳጊርካያ

    እታ ሞት ዝተፈርደት ህይወተይ እንሆ ትዝምረልካ /2/

Underwater Dive

Yoni and Sosi      15

ብቀደሙስ ተወኪለኻ እንድየ


ብቀደሙስ ተወኪለኻ እንድየ

ብቀደሙስ ተደጊፈካ እንድየ /2/

ብቀደሙስ ተጸጊዔኻ እንድየ /2/

ብቀደሙስ ተመኬሐልኻ እንድየ /2/


     ንሓይልኻ ተኣማሚነዮ

     ንኽእለትካ ተኣማሚነዮ /2/

     ንስልጣንካ ተኣማሚነዮ /2/

     ንቅልጽምካ ተኣማሚነዮ /2/


ሓይሎም ብኣኻ ዝኾነ ኩሉ ግዜ /3/ ይባርኩኻ ኣኣ

ሓይሎም ብኣኻ ዝኾነ ኩሉ ግዜ /3/ ይውድሱኻ


           ንመን ምስ ኣሕፈርካ ሞ ክሓፍር

            ንዘክቡርኻ ተኽብር

            ጻድቅ ተሓዲጉ ዘርኡ ክልምን

            የለን ኣይተጻሕፈን ኣይርኤኹን

            ኣይተሐፍርን ኢኻ ኣይተሕፍርን /2/


2. ስምካ ኮይኑኒ መዕቆቢ ገዳም

   በቲ እኩይ ከይትንከፍ መታን

   ኣብ ማእከል ጸላእተይ ይገዝእ

   ከም ሽደን ኣንበሳ እተብዕ

   ኣይተሕፍርን ኢኻ ኣይተሕፍርን /2/

Underwater Dive

Yoni and Sosi           16

በረኸተይ'ዩ ዝብሎ


ሃሉ እምበር ስንኻ ምሳይ
ጽኑዕ 'ዩ በአኻ ልበይ
ተአማሚነ'የ ዝወጽእ ክምለስ'ዩ ምርኮይ / ርጉጽ'ዩ ዓወተይ


አብ ምድረበዳ ነብሰይ ትልምልም
ምህላውካ'ዩ ናይ ሂወተይ ትርጉም
ተለኻ ምሳይ ኩሉ ደሓን'ዩ
ዝሞተ ነገረይ ትንፋስ ይሰኩዕ'ዩ /  ህይወት ይዘርእ'ዩ


         በረኸተይ'ዩ ዝብሎ ተባሪኸ እንድየ ዝብሎ
         አንጀርቢቡኒ ዝብሎ መሊኡለይ 'ዩ ዝብሎ
         ምሳይ ክትህሉ ከለኻ
         ምሳይ ክትከውን ንስኻ ብኽብሪ ንስኻ


ፈዊስካዮ ምንጪ ዓይኒ ማያተይ
ምምካን አብቂዑ ካዕበት ኮይኑ ፍረይ
ምምጻእ ናትካ እንድዩ መርበበይ  ዝመልኦ
እቲ ለይቲ ዘድከመኒ አበሎ ስኢነዮ


        ማንም ተዘየለ አብ ዙርያይ አብ ጥቓይ
        ምህላው ናትካ ክንዲ ኩሉ'ዩ ነዓይ
        ማንም ተዘየለ አብ የማነይ ጸጋመይ
        ምህላው ናትካ ክንዲ ኩሉ'ዩ ነዓይ


ጽቡቕ ንምግባር ዘይትስልኪ
ሰናይ ንምግባር ዘይትዱንጊ
ሰናይ /8/ ኢኻ ነዓይ
ነቶም ዝደልዩኻ ሰናይ
ንዝጽበዩኻ ሰናይ
ንዝውከሉኻ ሰናይ
ንዝመንኑኻ ሰናይ


ተለኻ ተለኻ ኩሉ ጽቡቕ'ዩ /ኩሉ ደሓን'ዩ አይፍለጥን'ዩ
አይፍለጠንን'ዩ መልኡ ጎዲሉ
ትርኢት ናይ ገጽካ እንድዩ  ነብሰይ ጽጋባ
ስለዚ እንድዩ ልበይ ወርትግ ዝደልየካ

Underwater Dive

Yoni and Sosi           17

ግዜ 'ለዎ ኣምላኸይ


                ተደ. ግዜ 'ለዎ ኣምላኸይ ግዜ 'ለዎ /2/

                    ግዜ 'ለዎ ታሪኸይ ክቕይሮ

                    ግዜ 'ለዎ ሃዲእካ ተጸበዮ

                    ግዜ 'ለዎ ኣምላኸይ ግዜ 'ለዎ /2/


  1. ኣብቲ ናተይ መወዳእታ መፈጸምታ

            ኣምላኸይ ናቱ ይጅምር ሽዑ መጀመርታ

            ከንቱ ኣይኮነን ዝተርፍ ኩሉ ንብዓተይ

            'ብ ጭልፎ ይእክቦ'ዩ ኣምላኸይ


                  2 . ክሳብ ሸውዓተ ግዜ ዝኣክል ክዞሮ’የ

                      ፍጹም ኣይሕለልን ኣነስ ኣይደክምንየ

                      ንሱ ብምዱብ ግዚኡ ክምልስ እዩ

                      መዓስ ከይፈለጥኩ ቀጽሪ ያሪኮ ክፈርስ'ዩ


3 .        ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሩ መን የጸልምቶ

            ነቲ ንሱ ዝመደቦ'ስ መን ይዓግቶ

            ይምልስ ይገብር የሱስ ከም ድሌቱ

             ከይደንጎየ ከይቀልጠፈ ኣብ ሰዓቱ

Underwater Dive

Yoni and Sosi             18

እየሱስ ኢለ ስሙ ጸዊዐ


እየሱስ ኢለ ስሙ ጸዊዐ

ሓይለይ ተሐዲሰ ካብ ድካም በርቲዐ /2/

እየሱስ ኢለ ስሙ ጸዊዐ ጸላእተይ ስዒረ


           እወ ስሙ ፈውሰይ እዩ

            እወ ስሙ ሰላመይ እዩ

            እወ ስሙ ዕረፍተይ እዩ

            እወ ስሙ ህይወተይ እዩ

           ከይጸዋዕክዎ ኣይውዕልን

           ከይጸዋዕክዎ ኣይሓድርን

          ብዘይ ብኡ ዘይኮነለይ ድቃስ የብሎምን ዋሃዮታተይ 


የሱስ /4/

ዘይምኖ ስም

ዘይጽገብ ስም /2/

መመሊሰ ይጽውዖ የሱስ ይብል /3/


      እወ ስሙ ዝፈሰሰ ቅብኢ

      እወ ስሙ ዝማርኽ ቅብኢ

      እወ ስሙ ጽኑዕ ግምቢ /ሞጎስ ወሃቢ/                      

      ስሙ ጸዊዐ ኣይሓፈርኩን

      ዘሕፍር ኣምላኽ ኣየምለኽኩን

     ኣብ ልዕሊ ማያት መገዲ ኣለዎ

     ምስጢር ዓወተይ የሱስ እዩ ሞ


3. እወ ስሙ ሓይለይ እዩ

  እወ ስሙ ክብረይ እዩ

  እወ ስሙ ትምክሕተይ እዩ

  እወ ስሙ ስልጣነይ እዩ

 ዓወት ብዓወት ዝመርሓኒ

 ልዕሊ ጸላእተይ ደው ዘበለኒ

 መለኮታዊ ሓይለይ ኣብ ስሙ ኣሎ

 ዝስመ ዘበለ ስም ዝግዝኦ


           የሱስ /4/ ...

Underwater Dive

Yoni and Sosi              19

ደሙ’ሎ ኣብ ልዳተይ


             ደሙ’ሎ ኣብ ልዳተይ መን ይደፍሮ  ንቤተይ
             ደሙ’ሎ ኣብ ልዳተይ መን ይደፍሮ ነዚ ቤተይ

  1. ካብ ጸላእተይ ዘውዕለኒ
    ብግልግሊኡ ኣጎልቢቡ
    ኣብታ ጽንዕቲ ከተማ ኣርኢኒ’ዩ
    ዘደንቕ ሳህሉ ኩሉ ምሕረቱ

             አይትክፍን አይትንከፍን’ዩ ብእኡ ዝተቀጽረ
             ኣይቅረብን አይቅረብን’ዩ ኣብኡ ዝተሰወረ   /2/
   
ሰዊሩኒ ብመሰወርያ ገጹ ኣጎልቢቡኒ ብግሊግሊኡ
ሸፊኑኒ በቲ ክቡር ደሙ ቀጺሩኒ ብቀጽሪ ሓዉ
ቤተይ አይቀርቦን’ዩ እቲ ናይ ሞት መንፈስ  
ሓይሊ’ሎ ኣብ ደም የሱስ  /4/
   

   2. ንብዙሓት ነኺሱ ዝቐተለ
      ብዘለዎ ሓይሊ ተወርወረ
      ኣብ ካልኦት ተሰለጦ
      መሲልዎ ነሩ ኣባይ ዝሰልጦ
 
              ኣይክእልን አይክእልን ቤት መቕደስ’የ እሞ
              አይሰልጦን ኣይሰልጦን’ዩ ቀጽሪ ሓዊ ኣሎ /2/


ክርስቶስ ኣባይ ብርቱዕ እዩ
መርዚ’ቲ ተመን ኣባይ አይሰርሕን’ዩ
ኣባይ ኣይሰርሕን’ዩ ናይቲ ተመን መርዚ

ጽግ ከብሎ’’የ ናብቲ ሓዊ /4/

Underwater Dive

Yoni and Sosi            20

ካብ መረጽካኒ


  1. ካብ መረጽካኒ ዕጣን ክዓጥን
    መቕደስካ ኣትየ ተመስገን ክብል
    እዚ ካብ ኮነ ጻውዒት ናተይ
    ከኽብረካ’የ ምሉእ ዘመነይ
     
             ኩሉ ጊዜ ክበር ይብለካ
             ደደጋጊመ የኽብሮ ንስምካ /2/
             አይደክምን’የ ኣቲየ ኣብ መቕደስካ
             ሓይለይ ይሕደስ ንከምልኸካ
             አይሰግን’የ አቲየ ኣብ መቕደስካ
             ሓዲሽ ሓዲሽ ክብሪ እንድዩ ዘሎካ


   ንጉሰይ ዘልኣለም ንገሰኒ ንገሰኒ ንገሰኒ
   ፈትየ ኣለኹ ተሰማሚዑኒ
   ንስኻ ክትነግሰኒ ኣነ ከንግሰካ
   ዘመነይ ከሕልፎ ኣብቲ ትሕቲ እግሪኻ
   ንስኻ ክትገዝኣኒ ኣነ ክግዝኣካ
    ምውዓለይ ክኾነለይ ኣብ ትሕቲ እግርኻ

2.  ንስመይ ጸዊዕካ ካብ በልካኒ ናተይ
    ዘመነይ ይህበካ በይንኻ ክትከብረለይ
    ንስኻ’እኮ በኣይ ክትከብር ፈቲኻ
    ደስ እንዳበለኒ’’ዩ ዝግዝኣካ
       
                 እንካ ሕጂ’ውን ሂወተይ
                 እንካ እታ ዘሎኒ 

 እንካ ሕጂ’ውን ሂወተይ ሂወተይ                                                                                                                                                                                                                                                             ...........................እንካ እታ ዘላትኒ
                 ነዓኻ ዘይከውን አይኹነኒ
                 እንካ ኩሉንትናይ ንስኻ ውረሰኒ

Underwater Dive

Yoni and Sosi              21

እርኢ‘ለኹ



ንብዓት ካብ ኩሉ የዒንተይ ዝድረዘሉ
ዘመን ዩ ኩሉ ተደቢሱ ዝርኣየሉ
እህህታ ህዝቡ ሰሚዑ ኣምላኸይ ዝወርደሉ
ውርደት ካባ ተቐንጢጡ ዝክሓሰሉ
ዝነቐጸ ዓጻጽምቲ ቃል ሰሚዑ
ተኣኻኺቡ ዓቢ ጭፍራ ዝኾነሉ
እርኢ'ለኹ ህዝበይ ብምድሓን ተሰሊሙ
ዝድሓኑ መሊኡ'ሎ ኣዳባባዩ /4/

ኣምበጣን ኩብኩብታን ዝበልዐን ዓመታተይ
ኣይኮናን’የን ክንዲ’ቲ ዘሎ ክብሪ ኣብ ቅድመይ

         ዘመነይ ዘመን ካሕሳ’ዩ
         ዘመነይ ዘመን ደበስ’ዩ
         ዘመነይ ዘመን ፍረ’ዩ
         ዘመነይ ዘመን ዓጽድ’ዩ
         ዘመነይ ዘመን ምውራስ’ዩ
         ዘመነይ ዘመን ምጥሓስ’ዩ

        እርኢ'ለኹ ጽቡቕ መዓልታት
         እርኢ’ለኹ ዝናብ ጽበሓት
         እርኢ'ለኹ ዘመን ምርኮ
         እርኢ'ለኹ ዘመን እልልታ
         እርኢ'ለኹ ዘመን ምስጋና
         እርኢ’ለኹ  ዘመን ወጋሕታ
         እርኢ'ለኹ ዘመን  ወንጌል
         እርኢ'ለኹ ዘመን ምድሓን


ፍረ'ተን ናይ ውርደት ዓመታትተይ
ዝከሓሰሉ ዘመን'ዩ ዘሎ ኣብ ቅድመይ
ብዙሕ ንብዓት ዝተዘርአ ዘርእታተይ
ብዕልልታ'የ ዝምለስ ምስ እንዳእተይ
ዘይፍጽሞ ተዛሪቡ ኣይጥብርን'ዩ
መዓስ እሞ እቲ ዘምልኾ ከብ ሰብ ኮይኑ
በይኑ ዝወጸ ንክመልሶ ጭፍራ ጌሩ
ኪዳን ኣትዩ'ሎ ብዘይልወጥ ተስፋ ቃሉ /4/

ኣምበጣን ኩብኩብታን ዝበልዐን ዓመታተይ
ኣይኮናን'የን ክንዲ'ቲ ዘሎ ክብሪ ኣብ ቅድመይ

        ዘመነይ ዘመን.....

Underwater Dive

Yoni and Sosi          22

ኣይትምርመርን



ኣይትምርመርን ኩሉ ግን ትምርመር (2)

ኩሉ ክኣሊ/3/ ኩሉ ፈላጢ ገላጺ ናይ ውሽጢ

1. ስራሕካ ዘይመርመር ኣሰራርሓኻ

  ንኹሉ ትመርመር ብሓደ ኣይትመርመርን ኢኻ

  ምስትውዓልካ ሰፊሕ ወሰን ደረት ዘይብሉ

  ኣእምሮኻ ስልጡን ደገፍ ኣየድልዮን እዩ


2. መገድኻ ጎደናኻ ኣብ ባሕሪን ማያትን እዩ

  ኣሰርካ ኣይተረኽበን ወዳጄ መዓሙቅ'ዩ

  ካብቲ መገድኻስ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ'ዩ

  ብዛዕባኻ ንሰምዖ ሕሹኽሹኽ ክንደይ ቁሩብ'ዩ


3. ንወሰናት ምድሪ ፈጣሪ ዘይተመርማሪ

  ኣይትመውት ኣይትደክም ዘልኣለማዊ

  መሰረት ናይ ምድሪ ብትንፋስ ኣፍካ ትቀልዖ

  ምድሪ ምስ ምልኣታ ብሓይሊ ቃልካ ጼርካዮ


4. የሱስ ብቃልን ብግብርን ከመይ ዝበልካ ከኣሊ

  ፍቃድካ ክትገብር ዘይተረኽበካ ከልካሊ

  ንዝመደብካዮ ምኽሪ ዘጸልምቶ መን'ዩ

  ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ስልጣን ኩሉ ናትካ'ዩ

Underwater Dive

Yoni and Sosi            23

ብምሉእ ልበይ



     ብምሉእ ልበይ ነፍሰይ ብምሉእ ሓይለይ

     ብኩልንትናይ ከምልኾየ ነቲ ዝሞተለይ/2/

      ዋጋ ከፊሉ ዝዓደጋ ነፍሰይ /2/

      ደሙ ከፊሉ ዝተበጀዋ ነፍሰይ /2/


1. ናይ ሞት መልኣኽ ቤተይ ከይኣቱ

  መምለጢ ኮይኑኒ ምልክት ናይ ደሙ

  ደሙ ሰጊሩ መን ከይሓልፈኒ

   ኪዳኑ ጽኑዕ እዩ እቲ ናይ ደም ሓይሊ

   ደሙ ኣብ ልዳተይ መን ከይረኽበኒ

   ኪዳኑ ጽኑዕ እዩ እቲ ናይ ደም ሓይሊ


            መምለጢ ኮይኑኒ መምለጢ

             መምሎቂ ኮይኑኒ መምሎቂ

             መህደሚ ኮይኑኒ መህደሚ

     ክቡር ደሙ ህያው ደሙ መምለጢ ኮይኑኒ

     ጻድቕ ደሙ ቅዱስ ደሙ መምሎቂ ኮይኑኒ


2. ደጊም መርገም ጥንቆላ ድግምቲ

    ኣባይ ኣይሰርሕን እዩ ገይሩለይ እዩ መምሎቂ

    ዋጋ ከፊሉ ናቱ ጌሩኒ 

    ዓሌት ኣምላኽ እየ ኣሎኒ ዘርኢ   


      3.  ማሕላ ሞትን ሲኦልን ኣፍሪሱ

       ሓይሎምን ብልሖምን ኩሉ ከንቱ ጌሩ

       ብደሙ ሓድሽ ኪዳን ከፊሩ

        ህይወት ሂቡኒ ህይወት ምስ ትርፉ 


          

      3.  ማሕላ ሞትን ሲኦልን ኣፍሪሱ

       ሓይሎምን ብልሖምን ኩሉ ከንቱ ጌሩ

       ብደሙ ሓድሽ ኪዳን ከፊሩ

        ህይወት ሂቡኒ ህይወት ምስ ትርፉ 

Underwater Dive

Yoni and Sosi     24

መን ፡ መን ፡ ይመስለካ ፡ መን

ኦኦ ፡ ንረዲኤተይ ፡ ኦኦ ፡ ብልዕልናኻ
ኦኦ ፡ ኣብ ፡ ሰማያትን ፡ ኦኦ ፡ ደመናታትን
ኦኦ ፡ ዝተወጣሕካ ፡ ኦኦ ፡ መን ፡ ይመስለካ 

መን ፡ መን ፡ ይመስለካ ፡ መን (፮x)

ምሳኻየ ፡ ካብ ፡ በልካኒ 
እንታዩኸ ፡ ዘስግኣኒ
ምሳኻየ ፡ ካብ ፡ በልካኒ
እረ ፡ መንዩ ፡ ዝቃወመኒ (፪x)

ስርሐይ ፡ ኩሉ ፡ ሰሪሕካዮ 
ተፈጸመ ፡ ውን ፡ ኢልካዮ 
ዝተረፈ ፡ የልቦን ፡ ኢዩሞ ፡ አመስግነካ (፪x)

አመስግነካ ፡ ኣለኹ ፡ አመስግነካ
እባርኸካ ፡ ኣለኹ ፡ እባርኸካ

መሰለይን ፡ ነገረይን 
ወዳእካ ፡ እሞ ፡ ጻድቅ ፡ ኮንካ
አብ ፡ ዙፋንካ ፡ ዝተቀመጥካ ፡ አመስግነካ (፪x)

አመስግነካ ፡ ኣለኹ ፡ አመስግነካ
እባርኸካ ፡ ኣለኹ ፡ እባርኸካ

ዕዳይ ፡ ኩሉ ፡ ኸፊልካዮ 
አብቲ ፡ መስቀል ፡ ዛዚምካዮ 
ዘይተኸፍለ ፡ የልቦንሞ ፡ አመስግነካ 

አመስግነካ ፡ ኣለኹ ፡ አመስግነካ
እባርኸካ ፡ ኣለኹ ፡ እባርኸካ

Underwater Dive

Yoni and Sosi     25

ሕጂ'ያ

ሎሚ ጽባሕ ኣይትበል ንየሱስ ተቐበል

ግዜ ምህረት ከሎ የርክበሉ ኣይትበል

ብየሱስ ዝኣመነ ኡነኒ የብሉን

ናይ ዘልኣለም ሞት ውን ከቶ ኣይፍረዶን /2


                ሕጂ'ያ /3 ታ'መዓልቲ ምድሓን ሕጂ'ያ X2


ባህ ኣይብለንን ትብለሉ ከይመጸ

ክፉእ መዓልትታት ድማ ከይቀረበ

ንሰብ ሓንሳእ ሞትያ ድህሪኡ ውን ፍርዲ

ሞት ቆጽራ የብሉን ተቐበሎ ሕጂ /2


                ሕጂ'ያ…


መጻኢ ሂወትካ ኣብ ኢድካ ኣይኮነን

ጽባሕ ኣይናትካንያ ንጽባሕ ኣይትበል

ታ'መዓልቲ ምድሓን ከየምለጠትካ

ወሲንካ ተቐበል ሕጂ ነቲ ዝሞተልካ /2


                ሕጂ'ያ…


ሓትያትካን መርገምካን ወሲዱ ዝሞተ

ምእንታኻ ክብልዩ ሲኦል ዝወረደ

ግዜ ከሎ ሕጂ ግዜ ኣይትጸበ

ደሃር ከትጠዓስ የሱስ ምስ መጸ /2


                ሕጂ'ያ…


Underwater Dive

Yoni and Sosi     26

ኣምላኽ ሰማይ

ኣሻሕ ኣእላፍ መልኣትኻ ይሰግዱለዉ ኣብ እግርኻ

ስልጣንን ሓይልን ናትካዩ ግርማን ክብሪን እናበሉ

ንሕናውን ኣብዛ ምድሪ ሰለ ዘይብልካ መሳሊ

ነምልኸካ ተቃኒና ንባርኸካ ደው ኢልና


ኣምላኽ ሰማይ ንጉስ ኩላ ምድሪ /2

ስምካ ይባረክ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ /2 X2


ግዝኣትካ ወሰን የብሉን ዕብየትካ ደረት የብሉን

ታ መንግስትኻስ ሂያውያ ዘይትነቃነቅ ውን እያ

ኣብ ሰማይ ክነ ኣብ ምድሪ ይርልርን ቦታኻ ዝትከኦ

ዝፋንካ ንዘልኣለም ጸኒዑ ይነብር ኣሎ


ኣምላኽ ሰማይ…


ኣታ ንፈትወካ ፍትውና ንባርኸካ ኣሎና

ስምካ ምምስጋን ክብርና ንሱዩ ዓቢ ሓጐስና

ስለዚ ስቕ ኣይንበለን ምምስጋን ኣይነቃርጸን

ከቢርካ ክንሪእ ከሎና ብኡኡ ይዓግብ ሂወትና


ኣምላኽ ሰማይ…

Underwater Dive

Yoni and Sosi     27

ሃሌሉያ

በይንኻ ኢኻ ኣምላኽ ነምልኸካ ኣሎና

በይንኻ ኢኻ ንጉስ ንሰግደልካ ኣሎና

በይንኻ ኢኻ ጐይታ ንግዘኣካ ኣሎና

በይንኻ ኢኻ ስልጡን ነኽብረካ ኣሎና

ዙፋንካ ዘልኣለም ጸኒዑ ይነብር

ዘንጊ መንግስትኻ ዘንጊ ቕንዕናዩ

ከማኻ ዝበለ ኣይርከብንዩ

ኣዚኻ ዓቢኻ መወዳድርቲ የብልካን'ዩ


ሃሌሉያ /4

ሃሌሉያ ክብሪ ንስምካ /4


በእላፋት ቅዱሳን ተኸቢብካ ዘሎኻ

ኣብቲ በረኽቲ ኣክራን ትውደስ በይንኻ

ሓደ'ካ ኣይመስለካን ፍጹም ኣይቀርበካን

ዘልኣለም ትርእ ደሚቕካን ከቢርካን

ኣብ ዘበናት ምሉእ በይንኻ ኢኻ ንጉስ

ግዜን ዘበናትን ኣይልውጠካንዩ

ዙፋንካ ጽኑዕ'ዩ ማንም ዘይመስሎ

ብሓይሊ ግርማኻ ንኹሉ ትስዕሮ


ሃሌሉያ…


ብማህለት እስራኤል እትውደስ ኣምላኽ

ቅዱስ ቅዱስ ሓያል ዓቢ ክትበሃል

ኣንታ ክንደይ ድንቂ ግኑንን ስልጡንን

ንምግላጽ ክብርኻ ፍጥረት ኩሉ ይጥምት

ብህልን ምሕረትን ዙፋንካ መሊኡ

ርህራሄኻ ድማ ንውሉድ ወለዶ'ዩ

ሳላ ስልጣን ዕበትካ ጽላእትኻ ኩሎም

እናቃባጠሩ ይግዝኡኻዮም


ሃሌሉያ…

  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page