top of page
A View

Araya Habte

Mezmur

  1. ዓብን መፍርህን ኣምላኽ ኢኻ

A View

Araya Habte      1

ዓብን መፍርህን ኣምላኽ ኢኻ

1.  ዎ እግዛኣብሄር ዓብን መፍርህን ኣምላኽ ኢኻ

   ግርማን ክብርን ለቢስካ ትርኣ ኣብ ዝፋንካ

    ዘፈር ልብስካ መሊእዎ ነቲ መቅደስ

    ብቁዕ ኢኻ በይንኻ ጎይታ ንክትውደስ


              ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ

              ዓቢ ንጉስ ኢኻ

              ኣዚኻ ክቡር ኢኻ ጎይታ ነምልኸኻ

              ምስጋና ዕልልታ ውዳሰ ይኩን ንክቡር ስምካ

              ኣምልኾ ነቅርበልካ ፍግም ኢልና ንሰግድ ኣብ ቅድሜኻ /2/



2.  ኣብ ዘይቅረብ ደሚቅ ብርሃን ተቀሚጥካ

    ብማህሌት እስራኤል ትነብር ኣምላኽ ኢኻ

     ኣብቲ ልዑል ግኑን ዝፋንካ ተቀሚጥካ

     ባህ ኢሉኻ ንመስዋእትና ተሽትቶ ኣሎኻ


          ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ

          ዓቢ ንጉስ ኢኻ

          ኣዚኻ ክቡር ኢኻ ጎይታ ነምልኸኻ

          ምስጋና ዕልልታ ውዳሰ ይኩን ንክቡር ስምካ

          ኣምልኾ ነቅርበልካ ፍግም ኢልና ንሰግድ ኣብ ቅድሜኻ /2/

  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page