top of page

Araya Habte
Mezmur
ዓብን መፍርህን ኣምላኽ ኢኻ

Araya Habte 1
ዓብን መፍርህን ኣምላኽ ኢኻ
1. ዎ እግዛኣብሄር ዓብን መፍርህን ኣምላኽ ኢኻ
ግርማን ክብርን ለቢስካ ትርኣ ኣብ ዝፋንካ
ዘፈር ልብስካ መሊእዎ ነቲ መቅደስ
ብቁዕ ኢኻ በይንኻ ጎይታ ንክትውደስ
ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ
ዓቢ ንጉስ ኢኻ
ኣዚኻ ክቡር ኢኻ ጎይታ ነምልኸኻ
ምስጋና ዕልልታ ውዳሰ ይኩን ንክቡር ስምካ
ኣምልኾ ነቅርበልካ ፍግም ኢልና ንሰግድ ኣብ ቅድሜኻ /2/
2. ኣብ ዘይቅረብ ደሚቅ ብርሃን ተቀሚጥካ
ብማህሌት እስራኤል ትነብር ኣምላኽ ኢኻ
ኣብቲ ልዑል ግኑን ዝፋንካ ተቀሚጥካ
ባህ ኢሉኻ ንመስዋእትና ተሽትቶ ኣሎኻ
ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ
ዓቢ ንጉስ ኢኻ
ኣዚኻ ክቡር ኢኻ ጎይታ ነምልኸኻ
ምስጋና ዕልልታ ውዳሰ ይኩን ንክቡር ስምካ
ኣምልኾ ነቅርበልካ ፍግም ኢልና ንሰግድ ኣብ ቅድሜኻ /2/
bottom of page