
Ruth Mekuria
Mezmur
ናብራይ ፡ ጥዒሙሎ ፡ ብአኻ
ኣመስጊነ ኣይጸግበካን እየ
ብምሉእ ልበይ አምልኸካ
ከምቲ ጐይታ እትደልዮ

Ruth Mekuria 1
ናብራይ ፡ ጥዒሙሎ ፡ ብአኻ
ናብራይ ጥዒሙ`ሎ ብኣኻ ናብራይ /4x/
ዝሃለወ ይሃሉ ዝተረፈ ይትረፍ
ኣነ ግና ኣምላኸይ ብኣኻ ይሕጎስ /2/
ካብቶም እክሎምን ወይኖምን ምስ በዝሓሎም ዝሕጎሱ
ኣብሊጽካ ኣብሊጽካ ሓጎስ ኣብ ልበይ ኣንበርካ /2/
ካብቶም እክሎምን ወይኖምን ምስ በዝሓሎም ዝሕጎሱ
ኣብሊጽካ ኣብሊጽካ ሰላም ኣብ ልበይ ኣንበርካ /2/
ኣብሊጽካ ሓጎስ ኣብ ልበይ ኣንቢርካ /2/
ኣብሊጽካ ሰላም ኣብ ልበይ ኣንቢርካ/2/
ኣፈይ ብሰሕቅ መልሓሰይ ብእልልታ ኣሃሃ መሊእካዮ
እዝምረልካ እዝምረልካ ባህ ኢሉኒ እቃንየልካ /2/
ኣፈይ ብሰሕቅ መልሓሰይ ብእልልታ ኣሃሃ መሊእካዮ
አመስግነካ አመስግነካ ባህ ኢሉኒ እባርኸካ
ባህ ኢሉኒ እዝምረልካ /2/
ባህ ኢሉኒ እቃንየልካ /2/
ባህ ኢሉኒ አመስግነካ /2/
ባህ ኢሉኒ እባርኸካ /2/
ናብራይ ጸቢቑ ኣሎ ብኣኻ ናብራይ /4x/
ዝሃለወ ይሃሉ ዝተረፈ ይትረፍ
ኣነ ግና ኣምላኸይ ብኣኻ ይሕጎስ
ማለተይ ኮይኑ`የ እዝምረልካ
ዝህበካ/2/ ኣሻሕ ኣእላፍ ምስጋና /2/
ተገይሩለይ እዩ`ሞ እዝምረልካ
ዝህበካ /2/ ኣሻሕ ኣእላፍ ምስጋና /3/
ጌርካለይ ኢኻ`ሞ ብዙሕ ነገር /2/
ክበር ንገስ እብለካ እግዚኣብሄር /2/
ክበር ከይበልኩኻ ክቡር ኢኻ /2/ ጎይታ የሱስ /2/
ንገስ ከይበልኩኻ ንጉስ ኢኻ /2/ ጎይታ የሱስ /2/
ውሰድ ውሰድ ምስጋና
ውሰድ ውሰድ ኣምልኾ
ውሰድ ውሰድ እልልታ
ውሰድ ውሰድ ጣቅዒት /2/
ሃሌሉያ ሃሌሉያ /4/
ክበረለይ ክበረለይ /4/
ንገሰለይ ንገሰለይ /4/

Ruth Mekuria 2
ኣመስጊነ ኣይጸግበካን እየ
ኣመስጊነ ኣይጸግበካን'የ ኣመስጊነ /2
ኣመስጊነ ኣይጸግበካን'የ ኣምላኸይ
ኣመስጊነ ኣይጸግበካን'የ ኣመስጊነ /3
ኣብ ክንዲ ሓዘን ዘይቲ ሓጎስ
ኣብ ቅድሚ ጓሂ ኪዳን ምስጋና
ኣብ ክንዲ እህህታ ትመልእ እልልታ
ኣብ ቅድሚ ስቕታ ትገብር ወዃዕታ
ትኽእለሉ ኢኻ ምዝካር ትኽእለሉ
ትኽእለሉ ኢኻ ምድጋፍ ትኽእለሉ
ትኽእለሉ ኢኻ ምዝናን ትኽእለሉ
ትኽእለሉ ኢኻ ምድባስ ትኽእለሉ
እግዚኣብሄር ትኽእለሉ
ኣምላኸይ ትኽእለሉ ኣሃ ኣሃ
ንብዓት ካብ ኣዒንቲ ትደርዝ /2
ማእሰር ፈቲሕካ ሓራ ተውጽእ /2
ትክእለሉ ኢኻ ምፍታሕ ትኽእለሉ
ትኽእለሉ ኢኻ ሓራ ምውጻእ ትኽእለሉ
ትኽእለሉ ኢኻ ምፍዋስ ትኽእለሉ
ትኽእለሉ ኢኻ ምብጻሕ ትኽእለሉ
እግዚኣብሄት ትኽእለሉ
ኣምላኸይ ትኽእለሉ ኣሃ ኣሃ

Ruth Mekuria 3
ኣመስጊነ ኣይጸግበካን እየ
ኦ ሆሆሆ... ኣየ
ብምሉእ ልበይ አምልኸካ
ብምሉእ ነብሰይ አምልኸካ
ኦ ሆሆሆ
ብምሉእ ሓይለይ ብኹለንትናይ
ብኹለንትናይ አምልኸካ
ብምሉእ ልበይ አምልኸካ
ብምሉእ ነብሰይ አምልኸካ
ብምሉእ ሓይለይ አምልኸካ
ብኩለንትናይ አምልከኻ
ከምልኸካ ካብ ተፈጠርኩ
ከምልኸካ አምልኸካ'ለኹ
ከምልኸካ ካብ ፈጠርካኒ
ከምልኸካ ባህ እናበለኒ
ኣምላኸይ ኢኻ ጐይታይ
ንጉሰይ ኢኻ መድሕነይ ኦሆሆሆ
ደኩንካኒ [ከም ምስልካ] /2
መታን ከዘንቱ ብምስጋናኻ
ፈጢርካኒ [ከም ምስልኻ] /2
ብሓቅን ብመንፈስን ከምልኸካ
ከምልኸካ ካብ ተፈጠርኩ...
ኣምለኸይ ኢኻ ጐይታይ...
ናተይ ኢኻ ገንዘበይ ኢኻ
ናተይ ኢኻ መቅደሰይ ኢኻ
ናተይ ኢኻ ርስተይ ኢኻ
ናተይ ኢኻ ካህነይ ኢኻ
ዝበልካ ጐይታ
እንካ ይተዓጠነልካ ጥዑም ሽቶ
እንካ ይተዓጠነልካ ጥዑም ጨና
ጌና ኣይደክምን ጌና
ንስምካ ክባርኽ ኣይደክምን ጌና
ጌና ኣይደክምን ጌና
ንስምካ ክውድስ ኣይደክምን ጌና
ጌና ኣይደክምን ጌና /2
ጌና ከዕልል'የ ጌና /2
ጌና ከጣቕዕየ ጌና /2
ጌና ክስዕስዕ'የ ጌና /2
ጌና ክዘልልየ ጌና /2

Ruth Mekuria 4
ከምቲ ጐይታ እትደልዮ
[ቃላት ኣፈይ ሓሳባት ልበይ
ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹነለይ] /2
ከምቲ ጐይታ እትደልዮ
ከምቲ ንዓኻ ባህ ዘብለካ
[ይኹነልካ ሂወተይ የሱስ
ይኹነልካ ሂወተይ ጐይታ] /2
ፈትየ ፈትየ ብፍታው ልበይ
ሂወተይ እህበካ
ኣምላኸይ ኢለ ከም ናይ ግሊ
መድሕነይ ተቐቢለካ
ፈትየ ፈትየ ብፍታው ልበይ
ሂወተይ እህበካ
ንስኻ ክትከብረሉ
ዘበነይ ብምልኡ ንኣኻ እህበካ
ውረሰኒ ውረሰኒ የሱስ በይንኻ /2
ምለኸኒ ምለኸኒ የሱስ በይንኻ /2
ግዝኣኒ ግዝኣኒ የሱስ በይንኻ /2
ኣብ ምድሪ ግሽነተይ
እንተኸቢርካለይ ብኣይይ
ልብኻ እንተዐሪፉ እንተቀሲነለይ
ይኣኽለኒ ካልእ የልቦን ዘድልየኒ /2
ኣምላኸይ እንተኸቢርካለ'ዩ
ንዓይ ዕረፍተይ
ኣምላኸይ እንተኸቢርካለ'ዩ
ንዓይ ጽጋበይ
የሱሰይ እንተኸቢርካለ'ዩ
ንዓይይይ መጎሰይ
የሱሰይ እንተኸቢርካለ'ዩ
ንዓይይ ክብረተይ
ክበረለይ ክበረለይ የሱስ በይንኻ /2
ንገሰለይ ንገሰለይ የሱስ በይንኻ /2