top of page

ኣመስጊነ ፡ ኣይጸግቦን

፩) ካብዚ ፡ ናይ ፡ ዓለም ፡ ሓጢኣት ፡ ካብ ፡ ዘልኣለም ፡ ጥፋአት
ብደሙ ፡ ዘእተወኒ ፡ ናብ ፡ ደስ ፡ ዜብል ፡ ምድሐን
ደሓርውን ፡ ዜድሕነኒ ፡ ካብ ፡ ሕሱም ፡ ስቕያት
ልበይ ፡ ናብ ፡ ዚቅስነሉ ፡ ተባረኸ ፡ መኻን

ተደጋሚ፦ ኣመስጊነ ፡ ኣይጸግቦን ፡ ናይ ፡ የሱሰይ ፡ ፍቕሪ
እንተዘመርክዎኳ ፡ ለይቲ ፡ ምስ ፡ መዓልቲ
ጸግኡ ፡ ዝጠዓምና ፡ ፍቕሩ ፡ ዝበዝሓልና
ንኡ ፡ ንዘምረሉ ፡ ደሃይና ፡ ኣልኢልና

፪) ጣዕሚ ፡ ክብረት ፡ ናይ ፡ ሰማይ ፡ ሓዲጉ ፡ ዝመጸ
ንኣይ ፡ ጥፋእ ፡ ከድሕንውን ፡ ንሞት ፡ ዝጠዓመ
ንጸላኢኡ፡ ኪብል ፡ ክንድዚ ፡ ዝስውእ
ከም ፡ የሱስ ፡ ዘለ ፡ ፈቀር ፡ ከቶ ፡ ኣደርክብን

ተደጋሚ፦ ኣመስጊነ ፡ ኣይጸግቦን ፡ ናይ ፡ የሱሰይ ፡ ፍቕሪ
እንተዘመርክዎኳ ፡ ለይቲ ፡ ምስ ፡ መዓልቲ
ጸግኡ ፡ ዝጠዓምና ፡ ፍቕሩ ፡ ዝበዝሓልና
ንኡ ፡ ንዘምረሉ ፡ ደሃይና ፡ ኣልኢልና

፫) ኣነስ ፡ ፍጹም ፡ ኣይፍለን ፡ የሱሰይ ፡ ካባኻ
ዘጓሂ ፡ ኾነ ፡ ዜሐጐስ ፡ ጥኡምዩ ፡ ምሳኻ
ኣሚነካ ፡ ኣላኹ ፡ ከም ፡ ዘይተውድቋኒ
ብኢድካ ፡ ናሳልኻክም ፡ ተኤውተኒ

ተደጋሚ፦ ኣመስጊነ ፡ ኣይጸግቦን ፡ ናይ ፡ የሱሰይ ፡ ፍቕሪ
እንተዘመርክዎኳ ፡ ለይቲ ፡ ምስ ፡ መዓልቲ
ጸግኡ ፡ ዝጠዓምና ፡ ፍቕሩ ፡ ዝበዝሓልና
ንኡ ፡ ንዘምረሉ ፡ ደሃይና ፡ ኣልኢልና

Get in Touch
  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page