top of page
yonas asfaha.jpg

Yonas Asfaha

Mezmur

  1. ምዝማር አይቛርጽን

Yonas Asfaha     1

ምዝማር አይቛርጽን

 ኣብ ኢደይ ዘሎ መቖሕ ፈሪሐስ ምዝማር አይቛርጽን
 መመሊሰ ይውስኸሉ ምስጋና ት’ለይቲ ክሳብ ዝወግሕ

    ኦሆሆ ንስኻ ተኸቢሪካ ኦሆሆ ሽዑ’ዩ ዝጥዕመኒ
    ኦሆሆ ንስኻ ተነጊስካስ ኦሆሆ ሽዑ’ዩ ዝሕሸኒ
    ኦሆሆ ከብሪካ ተረኤካ ኦሆሆ ሽዑ’ዩ ዝጥዕመኒ
    ኦሆሆ  ነጊስካ ተረኤካ ኦሆሆ ሽዑ’ዩ ዝሕሸኒ

 ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ መን’ዩ ንዓኻ መሳሊ
 ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ መን’ዩ ከማኻ መሳሊ

     መለኮትካ መለኮት ሰማይ ግዝኣትካ ወሰናት ምድሪ
     ልዕል ልዕል እንተኢልካ ሽዑ’ዩ ዝሕሸኒ
     ከብሪካ ተረኤካ ሽዑ’ዩ ዝጥዕመኒ
     ነጊስካ ተረኤካ ሽዑ’ዩ ዝሕሸኒ

ኣብ ቅድመይ ዘሎ ባሕሪ ፈሪሐስ ንድሕሪት ኣይምለስን’የ
ማእከል ማእከል መንገዲ ክገብር እግዚኣብሄር ይኽእል’ዩ

     ብማእከል ባሕሪ ጎደና’ለካ ኣብ ልዕሊ ማያት መንገዲ ኣሎካ
      ኣሰርካ አይርከብ ኣካይዳኻ ስራሕካ ፍሉይ መን’ዩ ይመስለካ
     ይምጻእ ዕልልታ ድምጺ ወኻዕታ ኣብ ማእከል  ህዝቡ ከቢሩ ጎይታ

      ከመይ ከመይ ተበልኩ ከመይ’ዩ ዝጥዕመካ
      ናይ በይንኻ ተኾይኑ ሽዑ’ዶ ይጥዕመካ
      ከመይ ከመይ ተበልኩ ከመይ’ዩ ዝሕሸካ
      ናትካ ጥራይ ተኾይኑ ሽዑ’ዶ ይሕሸካ

          ኦሆሆ ክበር /4/ ግዛእ /4/ ንገስ /4/ ምለኽ /4/

  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page