top of page

ሎም ፡ ኣየሕፈረንን (Lom Ayehferenen)

፩) ምስ ፡ ሓጥያተይ ፡ ምስ ፡ መጻእኩ፡ ሽዑ ፡ ‘የሕፈረንን
   ንሓጥያተይ ፡ ይቕረ ፡ ኢሉ ፡ ብሓጎስ ፡ መልኣኒ
   ካልኣይ ፡ ግዜ ፡ መጻእክዎ ፡ ጽሩይ ፡ ልቢ ፡ ክህበኒ
   ሽዑ ፡ ጽምኣተይ ፡ ዘዝሓለ ፡ ሎም ፡ ኣየሕፈረንን

ተደጋሚ፦ ሓጥያተይ ፡ ይቕረ ፡ ዝበለ ፡ ንብዓተይ ፡ ዝደረዘ
ኣይልወጥን ፡ ኩሉ ፡ ግዜ፡ ሎም ፡ ኣየሕፈረንን

፪) ‘ቲ ፡ ፈታኒ ፡ ከውድቐኒ ፡ ሽዑ ፡ ‘የሕፈረንን
   ብኢዱ ፡ ደጊፉ ፡ ደኣ ፡ ኣተባብዓኒ
   ‘ቲ ጸላኢ ፡ ንጥፍኣተይ ፡ ኣይሽበርን ፡ ‘ንተ ፡ ነደረ
   ዕዉት ፡ እየ ፡ ምስ ፡ የሱሰይ ፡ ሎም ፡ ኣየሕፈረንን

ተደጋሚ፦ ሓጥያተይ ፡ ይቕረ ፡ ዝበለ ፡ ንብዓተይ ፡ ዝደረዘ
ኣይልወጥን ፡ ኩሉ ፡ ግዜ፡ ሎም ፡ ኣየሕፈረንን

፫) ኣብ ፡ ድኻመይ ፡ ኣብ ፡ ስቓየይ ፡ ከቶ ፡ ‘የሕፈረንን
   ዘድህበለይ ፡ ምስ ፡ ሰኣንኩ ፡ መጸ ፡ ንምርድአይ
   ይእመኖ ፡ ንጸግኡ፡ ዝመርሓኒ ፡ ናብታ ፡ ቤቱ
   ይብለኒ’ና ፡ ጠምትክዎ፡ ከቶ’የሕፍረካን

ተደጋሚ፦ ሓጥያተይ ፡ ይቕረ ፡ ዝበለ ፡ ንብዓተይ ፡ ዝደረዘ
ኣይልወጥን ፡ ኩሉ ፡ ግዜ፡ ሎም ፡ ኣየሕፈረንን

Get in Touch
  • facebook
  • twitter
  • linkedin

©2019 by My Site. Proudly created with Wix.com

bottom of page